ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቤት ምኽሪ ኢህወዴግ ብፈፃሚ ስራሕ ዝቐረበሉ ናይ ውህደት ሕቶ ብምሉእ ድምፂ ኣፅዲቑ


ቤት ምኽሪ ኢህወዴግ ብፈፃሚ ስራሕ ዝቐረበሉ ናይ ውህደት ሕቶ ብምሉእ ድምፂ ኣፅዲቑ።ፅባሕ እውን ንሕገ ደንቢ ናይቲ ሓድሽ ፓርቲ ከፅድቕ ትፅቢት ይግበር።ህወሓት ግን ኣብቲ ኣኼባ ከምዘይሳተፍ ኣፍሊጡ’ሎ።

ፈፃሚ ስራሕ ናይ ኢትዮጵያ ህዝብታት ወያናይ ዴሞክራሲያዊ ግንባር/ኢህወዴግ/ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብብዝሒ ድምፂ ንዘፅድቖ ውህደት ቤት ምኽሪ ኢህወዴግ ሎሚ ሓሙስ ብምሉእ ድምፂ ከምዘፅደቖ ኣባል ፈፃሚ ስራሕ ኢህወዴግ ኣቶ ፈቃዱ ተሰማ ገሊፆም።

እቲ ፓርቲ ማእኸላይ መርገፂ ሒዙ ከምዝንቀሳቐስ ኣቶ ፈቃዱ ገሊፆም ኣለው።

“ናብ ፀጋም ወይ ናብ የማን ከይዛዘወ፣መደብ ከይፈለየ ማእኸላይ ጭቡጥ ኩነታት ሃገርና ኣብ ግምት ዘእተወ ኣብ ዝብል ጉዳይ ብግልፂ ተዘራሪቡ መርገፂ ሒዙ’ሎ።ዝሓለፈ ኣወንታ ንክቕፅል ጉድለታት ድማ ብዘይምሕረት ንክእረም፣ናይ ሎሚን መፃእን ወለዶ ብማሕበራዊ ቁጠባውን ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባታት ብልፅግና ንምርግጋፅ ክቃለስ እዩ።”

እቲ ቤት ምኽሪ ንፕሮግራም ናይ ኢትዮጵያ ብልፅግና ፓርቲ ተባሂሉ ዝተፀውዐ ፓርቲ ተዘራሪቡ ብምሉእ ድምፂ ኣፅዲቑዎ’ሎ።ረቂቕ ሕገ ደንቢ ናይቲ ፓርቲ ፅባሕ ክፀድቕ ትፅቢት ይግበር።

ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ/ህውሓት/ ኣብዚ ናይ ሎሚ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ኣይተሳተፈን።

ቤት ፅሕፈት ህወሓት ትማሊ ረቡዕ ንቤት ፅሕፈት ቤት ምኽሪ ኢህወዴግ ኣብዝለኣኾ ደብዳቤ ‘ቤት ምኽሪ ኢህወዴግ፣ ንናይ ውህደት ኣጀንዳ ተመያይጡ ንክውስን ሕጋዊን ፖለቲካዊ ስልጣን የብሉን’ ኢሉ’ሎ።

‘ፈጻሚ ስራሕ ኢህወዴግ ኣብ ልዕሊ ውጽኢት መጽናዕቲ ንክዘራረብ ዝሓዞ መደብ ንጎኒ ገዲፉ፣ ናብ ውህደት ንሳገር ብዝብል ሕጋዊነት ዘይብሉ ውሳነ ብቤት ምኽሪ ንክድገም ይሰርሕ ኣሎ፤እዚ ድማ ‘ብውህደት ኣሳቢብካ ንህወሓት ንምፍራስ ዘኽእል ሕጋዊ ስልጣን ስለዘይብልና፣ ኣብ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ኢህወዴግ ተሳቲፍና ንናይ ህወሓት ምውሃድ ክንውስን ኣይንኽእልን፤ ዕጫ ህወሓት ዝውሰን ብጉባኤ ህወሓት ስለዝኾነ፣ ህወሓት ኣብ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ኢህወዴግ ኣይትሳተፍን ክብል ትማሊ ኣብ ዝለኣኾ ብደብዳቤ ኣረጋጊፁ’ሎ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።


XS
SM
MD
LG