መቐለ —
ብሰንኪ ኣብ ክልል ትግራይ ዘሎ ኲናት ዝሰዓበ ዕጽዋን፡ ሰራሕተኛታት ክልልን ፈደራልን ወርሓዊ መሃያ ከይተኽፍሎም ንኣስታት ሓደ ዓመት ጸኒሖም ኣለዉ።
ነዚ ጸገም ዝተረድአ ቤት ምኽሪ ንግዲ ከተማ መቐለ እምበኣር ካብ ሰብ-ዋኒን ብምውጻእ ኣብቲ ጉዳይ ሓገዝ ክገብር ይጽዕር ኣሎ።