ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቤት ምኽሪ ቃል ምስክርነት መስርሕ ካብ ስልጣን ምውራድ ፕረዚደንት ትራሞፕ ሰሚዑ’ሎ


ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ዝሓለፉ 50 ዓመታት ኣብ ስልጣን ናይ ምውራድ መስርሕ ምስማዕ ቃል መሰኻኽር ዝገጠሞም ሳልሳይ መራሒ ኣሜሪካ ኮይኖም ኣለው።ዲሞክራት ኣባላት ቤት ምኽሪ ንክልተ ቀንዲ መሰኻኽር ሚንስትሪ ጉዳያት ወፃኢ ብምፅዋዕ ቃል ምስክርነት ምስማዕ ጀሚሮም ኣለው።እቲ መስርሕ ምስማዕ ቃል መሰኻክር ፕረ.ትራምፕ ኣብ 2020 ኣብ ዝካየድ ፕረዝዳንታዊ ምርጫ ፖለቲካዊ ረብሕኦም ንምርግጋፅ ስልጣኖም ብዘይኣገባብ ተጠቒሞም ካብ ዩክሬይን ሓበሬታ ንምርካብ ፈቲኖም ዝብል ንህዝቢ ኣሜሪካ ንምእማን እዩ ትማሊ ረቡዕ ጀሚሩ።

ክልተ ዲፕሎማት ኣሜሪካ ፕረዝዳንት ዶናልድ ትራምፕ ናይ ውልቂ ፖለቲካዊ ረብሕኦም ንምስጓም ናይ ውልቂ ጠበቕኦም ዝኾኑ ሩዲያ ጁሊያኒ ልኡኽ ፖሊሲ ወፃኢ ኣሜሪካ ኣብ ዩክሬይን ገይሮም ልኢኾምዎም ክብሉ ንፈለማ ግዜ ህዝቢ ኣሜሪካ ብቐጥታ ቴሌቪዥን ኣብዝከታተሎ ምስማዕ ቃል ምስክርነት ብወግዒ ተዛሪቦም ኣለው።

“ናብ ዩክሬይን ዘቕንዐ ፖሊሲ ኣሜሪካ ዘደናግርን ዘይልሙድን ኮይኑ እየ ረኺበዮ።ኣብ ኣፈፃፅማ ፖሊሲ ወፃኢ ኣሜሪካ ክልተ መስመራት ዘለው ይመስሉ።እቲ ሓደ ስሩዕ ኣገባብ እቲ ካልኣይ ድማ ፍፁም ዘይስሩዕ ዝኾነ መስመር።”

ታይለርን ንጉዳያት ዩክሬይን ዝከታተሉ ዘለዋ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ሚንስትሪ ጉዳያት ወፃኢ ጆርጅ ኬንትን ንኣባላት ቤት ምኽሪ ኣብ ዝሃብዎ ቃል ትራምፕ ንዩክሬይን ክውሃብ ብኮንግረስ ካብ ዝፀደቐ ኣስታት 400 ሚሊዮን ዶላር ወታደራዊ ሓገዝ ንላዕሊ ኣብ ልዕሊ ፖለቲካዊ መወዳድርቶም ጆ ባይደንን ወዶም ሃንተር ባይደንን ዝካየድ ምርመራ ዝበለፀ ዘገድሶም ምዃኑ ንኣባላት ቤት ምኽሪ ኣብ ዝሃብዎ ቃለ ምስክርነት ተዛሪቦም።

ኣባል ኮንግረስንን ኣብ ቤት ምኽሪ ኣሜሪካ ኣቦ መንበር ኮሚቴ ስለያን ኣዳም ሺፍ ብዛዕባ’ዚ ከምዚ ኢሎም።

“ኣብዚ መስርሕ ካብ ስልጣን ናይ ምውራድ ምርመራ ዝልዓሉ ዘለው ሕቶታት፡ፕረዝዳንት ትራምፕ ብቐሊሉ ክትጉዳእ ናይ እትእእል መሻርኽትና ሃገር ኩነታት ብምምዝማዝ ዩክሬይን ኣብ ናትና ምርጫ ኢዳ ክተእትው’ዶ ዓዲሞምዋ?ፕረዚደንት ትራምፕ ንሰበስልጣን ንኣብነት ኣብ ናይ ዋይት ሃውስ ኣኼባ ወይ ናይ ኣሜሪካ ወታደራዊ ሓገዝ ዝምልከት፡ ኣብ ወፍሪ ዳግመ ምርጫ ንዕኦም ብዝሕግዝ ኣገባብ ምስ ናይ ዩክሬይን ቅሩብነት ፖለቲካዊ ምርመራታት ክተኣሳሰርዶ ጌሮም?ፕረዚደንት ትራምፕ ስልጣን ፕረዚደንታዊ ቤት ፅሕፈቶም ብዘይግቡእ’ዶ ተጠቒሞም? እዩ እቲ ሕቶ?”

ፕረዚደንት ትራምፕ ኣገዳስነት ናይዚ መስርሕ ዋጋ የብሉን ኢሎምዎ ኣለው።

“ዋላ ሓደ ነገር የለን።ናይ ሕጊ ጠበቓታት ክጥቀሙ እየ ዝርኦም ዘለኹ፤ናይ ቴሌቪዥን ጠበቓታት እዮም።”

ትራምፕ ናይ ዴሞክራት ጠበቓታት ነቲ ናይ መሰኻኽር ሕቶታት ዝሓዝሉ ኣገባብ እዮም ዝዛረቡ ዘለው።

ኣምባሳደር ዊሊያም ተይለር ወታሃደራውን ዲፕሎማሲያውን ኣገልግሎታት ንዓሰርተታት ዓመታት ኣብ ዝሃብሉ እዋን ናይ ወፃኢ ሓገዝ ምስ ውልቃዊ ወይ ፖለቲካዊ ረብሓ ፕረዚደንት ኣሜሪካ ክተኣሳሰር ወይ ከም ቅድመ ኩነት ከቐርብ ርእየ ኣይፈልጥን ኢሎም።

ብመሰረት ኣሃዛዊ ርእይቶ ህዝቢ፣ኣሜሪካዊያን ትራምፕ ካብ ስልጣኖም ንክወርዱ ዝካየድ መስርሕ ደገፎም እናወሰኸ ይመፅእ ኣሎ።ዲሞክራት ከምዚ ዝበለ ወግዓዊ ቃል ምስክርነት ብምቕራብ ክዕወቱ ተስፋ ይገብሩ።

ኣብ ጆርጅታውን ዩኒቨርሲቲ ፖለቲካ ተንታኒት ሱዛን ሎው ብሎች ከምዚ ትብል።

“ካብ ስልጣን ናይ ምውራድ ዝካየድ ምስማዕ ቃል ፖለቲካዊ መስርሕ እዩ።እቲ ሕገ መንግስቲ ንፖለቲካዊ ጨንፈር እዩ ገዲፉሉ።ስለዚ እቲ ቤት ምኽሪ ካብ ስልጣን ናይ ምውራድ መስርሕ ክፍፅም እንተድኣ ኮይኑ፣ሰኔት ድማ ፍርዱ ክህብ ወይ ከይህብ እንተድኣ ኮይኑ እቲ ህዝቢ ክሕግዞም ኣለዎ።”

እቲ ኮሚቴ ክሳብ መወዳእታ ዝቕፅል ሰሙን ናይ ትሽዓተ መሰኻኽር ቃል ብወግዒ ክሰምዕ እዩ።ብሙሉኦም ኣባላት ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ኣሜሪካ ኣብ መወዳእታ እዚ ናይ ኣውሮፓዊያን ዓመት ኣብ ዓንቀፃት መውረዲ ስልጣን ድምፂ ክህቡሉ ትፅቢት ይግበር።

እቲ ቤት ምኽሪ ካብ ስልጣን ናይ መውረዲ ዓንቀፅ እንተድኣ ኣፅዲቑ ሰኔት እቶም ፕረዚደንት ካብ ስልጣኖም ክወርዱ ኣብዝብል ኣብ ከባቢ ሓድሽ ዓመት ፍርዲ ክህብ እዩ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።


XS
SM
MD
LG