ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቤት ምኽሪ ሰ/መሰላት ሕ/ሃ ኣብ ኢትዮጵያ ተፈጺሙ ዝተባህለ ጥሕሰት ክጻረ ተሰማሚዑ


ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ሎሚ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ኣብ ዘካየዶ ፍሉይ ኣኼባ ሕብረት ኤውሮጳ ሓዊሱ ነቲ ኣኼባ ዝጸወዓ ኣባል ሃገራት ኣብ ኢትዮጵያ ተፈጺሙ ዝበልኦ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት ዘጻሪ ዘይሻራዊ ጉጅለ ንኽቀውም ሓቲተን።

ወኪላት ሃገራት ኣፍሪቃ ብወገኖም ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ኣኼባ ምጽዋዑ ተቃዊሞም: ሕብረት ኣፍሪቃ ነቲ ጸገም ንምፍታሕ ዝገብሮ ጻዕሪ ንክኽበር ሓቲቶም።

ኣብ ጀኔቫ ዝተኻየደ ፍሉይ አኼባ ስዒቡ መግለጺ ዘውጽአ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ቤት ምኽሪ ሕ/ሃ ምስቲ ኮሚሽን ተሓባቢሩ ዘካየዶ መርመራ እናሃለወ ኣብ ተመሳሳሊ ጊዜ ንዝተፈጸሙ ምግሃሳት ካልእ ጉጅለ ምቋም ዘየድሊ እዩ ክብል ተቃውሞኡ ኣስሚዑ'ሎ።

XS
SM
MD
LG