ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ሕ/ሃ ኣብ ወራር ሩስያ ናብ ዩክሬን ህጹጽ ዘተ ክካየድ ወሲኑ


ኣኼባ ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት
ኣኼባ ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት

ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ብሰንኪ ወራር ሩሲያ ኣብ ዩክሬን ዘጋጠመ ቅልውላው ብዝምልከት ኣብ ዝቕፅል ሓሙስ ህፁፅ ዘተ ክካይድ ንዝቐረበ ጻውዒት ብዝለዓለ ድምፂ ኣፅዲቑ።እቲ ንድፊ ካብ 47 ኣባል ሃገራት ብ29 ሃገራት ፀዲቑ:13 ሃገራት ድምፀን ዓቂበን ኣለዋ።ሓሙሽተ ሃገራት ቻይና፣ኩባ፣ኤርትራ፣ሩሲያን ቬንዝዋላን ተቓዊመን።

እቲ ድምጺ ምሃብ ዝተኻየደ ኣምባሳደር ዩክሬን ኣብ ሕቡራት ሃገራት የቨኒያ ፊሊፐንኮ ምሕፅንታ ድሕሪ ምቕራበን እዩ።ንሰን እቲ ቤት ምኽሪ ሩሲያ ብዘይ -ምትንዃይን ብዘይምኽኑይ ምኽኒያትን ኣብ ልዕሊ ሃገረን ዝወሰደቶ መጥቓዕቲ ተሓታቲት ክገብራ ፀዊዐን።

ኣብ ውሽጢ ኣርባዕተ መዓልታት ጥራሕ 16 ህፃናት ሓዊሱ 352 ሰባት ተቐቲሎም ካልኦት ኣስታት 1,700 ሰባት ድማ ቆሲሎም ኢለን።

ጄኔቫ ኣብ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ሕቡራት ሃገራት ኣምባሳደር ሩሲያ ዝኾኑ ገናዲ ጋቲሎቭ ዩክሬን ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ ዞባታት ዶነስክን ሉካንስክን ዝርከቡ ሰባት ግፍዒ ፈፂማ ክብሉ ከሲሶም ኣለው።

XS
SM
MD
LG