ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ሕ/ሃ ኣብ ህላወ ወታሃደራት ሶማል ኣብ ክልል ትግራይ ሓድሽ መርትዖ ምቕራቡ ሓቢሩ


ደቐን ኣብ ኩናት ክልል ትግራይ ተሳቲፎም የን ኢለን ዝሓታ አዴታት ሶማል -ፋይል

ንስልጠና ናብ ኤርትራ ዝተልኣኹ ኣሽሓት ወታሃደራት ሶማል ኣብ ግጭት ትግራይ ምስታፎም ናይ ሕቡራት ሃገራት ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ሓዱሽ መርትዖ ድሕሪ ምቕራቡ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ሶማል ድፍኢት ይሕይል ኣሎ።

ወለዲ ናይቶም ዝጠፍኡ ወታሃደራት ነቲ ኽሲ ንዝነፀጉ ፕረዚደንት መሓመድ ዓብዱላሂ መሓመድ ፋርማጆ ይኸሱ።ናይ ፓርላማ ኮሚቴ እቶም ወታሃደራት ኣበይ ኣተው ንዝብል ምርመራ ክካየድ ይሓትት ኣሎ።

ኣብዚ ሰሙን ዝወፀ ሓደ ናይ ሕቡራት ሃገራት ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ፀብፃብ ኣብ ኤርትራ ዝሰልጠኑ ወታሃደራት ሶማል ኣብ ኵናት ክልል ትግራይ ተሳቲፎም ይብል።መንግስቲ ሶማል ግን ወታሃደራቱ ኣብ ትግራይ ኣይተሳተፉን ክብል ብተኸታታሊ ክነፅጎ ፀኒሑ ኣሎ።

ወለዲ ናይቶም ወታሃደራትን መራሕቲ ተቓወምትን እንተሓተቱ እውን ፕረዚደንት ፋርማጆ ብዛዕባ እቶም ወታሃደራት ዛጊት ርእይቶ ዛይሃቡን።

ኣብ ፓርላማ እታ ሃገር ኮሚቴ ጉዳያት ወፃእን ዓለምለኸ ርክባትን ብዛዕባ እቲ ጉዳይ ናብ ቤት ፅሕፈት ፕረዚደንት መብርሂ ክወሃቦ ክልተ ደብዳበታት እንተለኣኸ እውን መልሲ ኣይረኸበን።

ኣባል ኮሚቴ መሓመድ ሓሳን ኢድሪስ እቶም ፕረዚደንት ንጉዳይ ሃገራዊ ድሕነት ሓላፍነት ክወስዱ ኣለዎም ይብሉ።

ኣብ ሰነ 2018 መራሕቲ ሶማል፣ኢትዮጵያ ኤርትራትን ኣብ ፀጥታ፣ፖለቲካውን ቁጠባውን ምትሕብባራት ስምምዕ ፈሪሞም እዮም።

ርእይቶታት ንምርኣይ

XS
SM
MD
LG