ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሕቡራት ሃገራት ሰራዊት ኤርትራ ብቅልጡፍ ካብ ትግራይ ክወጽእ ጸዊዑ


ፋይል

ኣብ ክልል ትግራይ ብዛዕባ ዘሎ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ዝገምገመ ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት፣ ካብ ሕዳር ጀሚሩ ይካየድ ኣብ ዘሎ ውግእ ንዝተፈጸሙ ከበድቲ መግሃስቲታት መሰላት፣ ምጥሓስ ዓለምለኸ ሰብኣዊ ሕግታትን ስደተኛታትን ከምዘሻቀሎ ገሊጹ።

ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ውሳንኡ "ሰራዊት ኤርትራ፣ ብህጹጽን ክረጋገጽ ብዝካኣል ኣገባብን ካብ ክልል ትግራይ ንክወጽእ" ጸዊዑ። እቲ ቤት ምክሪ ወሲኹ "ኣብ ክልል ትግራይ፣ ኣብ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ዝተሳተፉ ናብ ፍርዲ ንክቀርቡ፣ ተሓታታይነት ብዘምጽእ ኣገባብ ንክትግበርን" ኣተሓሳሲቡ።

እቲ ቤት ምኽሪ ኣብ ውሳንኡ "ኩሎም ወገናት፣ ንሰራሕተኛታት ትካላት ረድኤትን አቁሑቶምን ክከላኸሉ፣ ሰራሕተኛታት ሕክምናን ኣቁሑቶምን ካብ መጥቓዕቲ ክሕልው፣ ሆስፒታላትን ካልኦት ማእከላት ጥዕናን፣ ሰብኣዊ ረድኤት ብሰላም ንክተሓላለፍ" መጸዋዕታ ኣቅሪቡ ኣሎ።

ኣብ’ቲ ዝተካየደ መስርሕ ድምጺ፣ 20 ሃገራት ነቲ ውሳነ ደጊፈን፣ 14 ሃገራት ተቃዊመን፣ 13 ሃገራት ድምጸ ተኣቅቦ መሪጸን።

ርእይቶታት ንምርኣይ

XS
SM
MD
LG