ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቤት ምኽሪ ሚንስትራት ኢትዮጵያ ንግድብ ህዳሴ ዝምልከት ጉዳይ ንረብሓን ጽልየትን ኢትዮጵያ ምስ ዝህልው ጥራይ ከምዝካየድ ኣፍሊጡ


ኣብ ጉዳይ ዓብዪ ግድብ ህዳሴ ኢትዮጵያ ዝተዘራረበ ቤት ምኽሪ ሚንስትራት ኢትዮጵያ ዝኾነ ይኹን ጉዳይ ንድልየትን ረብሓን ኢትዮጵያ ምስ ዝህልው ጥራሕ ከምዝካየድ ኣፍሊጡ።

ብቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ዝምራሕ ቤት ምኽሪ ሚንስትራት ኢትዮጵያ ብቕድሚ ትማሊ ቀዳም ኣብዘካየዶ ኣኼባ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንሃገራዊ ረብሓ ዝትንክፍ ልዝብ ኣየካይድን ኢሉ’ሎ።

ኣብ መንጎ ኢትዮጵያ፣ግብፅን ሱዳንን ዝካየድ ልዝብ ብተዓዛቢነት ክከታተል ዝፀንሐ ናይ ኣሜሪካ ገንዘብ ሚንስትር ዝሓለፈ ዓርቢ ኣብዘውፅኦ መግለፂ 19ን 20ን ለካቲት 2012 ዓ/ም ምስ ሚንስትራት ወፃእን ማይን ሱዳንን ግብፅን ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ብምርኻብ ምዝርራቦም ብምግላፅ ክሳብ ሎሚ ዝተበግሩ ፃዕርታት ኣድኒቑ’ሎ።

መግለፂ ሚንስትር ገንዘብ ኣሜሪካ ሕጂ ብዘለዎ ኩነታት ኣብ ስምምዕ ከይተበፅሐ እቲ ግድብ ናይ ምምላእ ስራሕ ከይጅምርን ሓይሊ መብራህቲ ናይ ምምራት ፈተነ ከይካየደን ኣተሓሳሲቡ’ሎ ።

ነዚ ስዒቡ ናይ ኢትዮጵያ ሚንስትራት ወፃኢን ማይ፣ መስኖን ኢነርጅን ብሓባር ኣብዘውጽእዎ መግለፂ ነዚ ብናይ ኣሜሪካ ሚንስትሪ ገንዘብ ዝወፀ መግለፂ ኢትዮጵያ ዘይተሳተፈትሉ ኣኼባ ስዒቡ ዝወፀ እዩ ክብል ብዝለዓለ ቅሬታ ከምዝሪኡዎ ገሊፆም።

ኢትዮጵያ እቲ ኣኼባ ንኻልእ እዋን ክናዋሕ ቅድም ክብል ንግብፂ፣ንሱዳንን ንኣሜሪካን ከምዘፍለጠት ዝሓበረ መግለፂ ሚንስትሪ ጉዳያት ወፃኢ ኢትዮጵያ ወናኒት ናይቲ ግድብ ዝኾነ ኢትዮጵያ ብመሰረት ስምምዕ መምርሒታት፤ ምምላእ ናይቲ ግድብ ጎኒ ንጎኒ እቲ ህንፀት ብመትከላት ፍትሓውን ምኽንያታውን ኣጠቓቕማን ዓብዩ ጉድኣት ብዘይምብፃሕን ክትፍፅሞ እዩ ዝኸውን ኢሉ’ሎ።

እቲ መግለፂ ብምውሳኽ ናይቲ ግድብ ናይ መጀመሪያ ምምላእን ምስዳድን ማይ ስርዓትን ኣሰራርሓን ንምድላው ዝካየድ ልዝብ ተዛዚሙ ብዝብል ዝተውሃበ መግለፂ ኢትዮጵያ ኣይክትቕበሎን ኢሉ’ሎ።

መግለፂ ኢትዮጵያ ወሲኹ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ግብፂ ፈሪማትሉ ዝተባህለ ረቂቕ ናይ ሰለስቲአን ሃገራት ጉጅለታት ልዝብ ይኹን ሕግን ቴክኒክን ዝርርብ ውፅኢት ኣይኮነን፤እቲ ልዝብ ኣይተዛዘመን ኢሉ’ሎ ።

ብምቕጻል እቲ መግለጺ ኢትዮጵያ፣ግብፅን ሱዳንን ብዝፈልጥኦንን ብዝተሰማምዓሉን ናይ መብርሂታት መግለፂ መሰረት ኩሉ ድሕንነት ናይቲ ግድብ ዝምልከቱ ጉዳያት ብዓለምለኸ ሰብ ሞያ ዝተወሃቡ ምክረ ሓሳባት ምፍፃማ ክትቕፅለሉ እያ ኢሉ’ሎ ።

እቲ መግለፂ ናይ ኢትዮጵያ ዓብዪ ግድብ ህዳሴ ናይ መጀመሪያ ምምላእን ምስዳድ ማይን መምርሕን ስርዓትን ንምድላው ዝተረፉ መሰረታዊ ኣፈላላያት ንምፍታሕ ኢትዮጵያ ምስ ግብፂን ሱዳንን ዝጀመረቶ መስርሕ ንምቕፃል ድልውቲ እያ ኢሉ’ሎ ።

ኣሜሪካ ኣብ መንጎ ሰለስቲኣን ሃገራት ዘሎ ልዝብ ናይ ምክትታል መርገፂኣ ከምትቕፅለሉን ኣብ ናይ መወዳእታ ስምምዕነት ንምብጻሕ ዝክኣላ ኩሉ ከምእትገብርን ብቕድሚ ትማሊ ቀዳም ዝወፀ ናይ ኣሜሪካ ሚንስትር ገንዘብ መግለፂ ሓቢሩ’ሎ።

XS
SM
MD
LG