ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቤት ምኽሪ ሚንስተራት ኢትዮጵያ ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ተነቢሩ ዝነበረ ኣዋጅ ህጹጽ እዋን ንኽልዓል ኣሚሙ


ቤት ምኽሪ ሚንስተራት ኢትዮጵያ ኣብቲ ኩናት ኣብ ቀረባ ዝተራእየ ሓዲሽ ምዕባለታት ኣብ ግምት ብምእታው ነቲ ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ተነቢሩ ዝነበረ ኣዋጅ ህጹጽ እዋን ከልዕሎ ኣሚሙ።

እቲ ኣብ ክልል ትግራይ ተወሊዑ ክሳብ ጎረባብቲ ክልላት ዝለሓኾ ኩናት ናብ ኣዲስ ኣበባ ገጹ ምስ ከደ እቲ ህጹጽ ኣዋጅ ዝተኣወጀ ክኸውን ከሎ፡ ድሓር ግን ብጸቕጢ ብድሮን ዝተደገፈ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ሓይልታት ትግራይ ናብ ትግራይ ተመሊሶም`ዮም ይብል ጸብጻብ ኣሶሸይትድ ፕረስ።

ሕጂ እቲ ኣብ መጀመርያ ወርሒ ሕዳር ዝወጸ ኣዋጅ ንክልዓል ዝቕረበ እማመ ንክጸድቕ ናብ ፓርላማ`ታ ሃገር ተመሪሑ`ሎ።

በቲ ሕጊ ህጹጽ ኣዋጅ፡ ብኣሸሓት ዝቑጸሩ ተወላዶ ብሄር ትግራይ ኣብ ቀይዲ ምእታዎም ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ክገልጹ ጸኒሖም`ዮም። እቲ ዜና ብተወሳኺ እቲ ኩናት መልክዑ ምስ ቀየረ ግን ቁጽሮም ዘይተፈልጠ ተጋሩ ተፈቲሖም`ዮም ይብል።

እቲ ኣዋጅ ህጹጽ እዋን እንተተላዒሉ፡ ካብቲ ዝተባህሎ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ሰለስተ ወርሒ ቀዲሙ`ዩ ዝለዓል ዘሎ።

XS
SM
MD
LG