ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቤት ምኽሪ ሚንስትራት ኢትዮጵያ ሓድሽ ረቒቅ ሕጊ ጸረ ሽብር ኣጽዲቑ


ብናይ ኢትዮጵያ ቤት ምኽሪ ሚንስትራት ዝፀደቐ ሓድሽ ረቂቕ ሕጊ ፀረ-ሽብር ናብ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ተመሪሑ።እቲ ሓድሽ ሕጊ ተግባራት ግብረሽበራ ንምክልኻል ጥራሕ ዘይኮነስ ሰብኣዊ መሰላት ዜጋታት ዝሕሉ’ውን እዩ ተባሂሉ’ሎ።

ቤት ምኽሪ ሚንስትራት ኣብ መበል 68 ስሩዕ ኣኼብኡ ዘጽደቖ ሓድሽ ረቂቕ ሕጊ ፀረ ሽብር ዝተወሰነ ምምሕያሻት ብምውሳኽ ናብ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ኣሒሉፉዎ’ሎ።

ኣብ ትሕቲ ጠቕላሊ ዓቃቢ ሕጊ ናይ ዝተመስረተ ኣርቃቒ ሕጊ ጉጅለ ኣቦ መንበር ኣቶ ኣምሃ መኮነን እቲ ረቂቕ ሕጊ ካብቲ ቅድሚ ሎሚ ዝነበረ ብብዙሕ መልክዑ ዝተፈለየ እዩ ኢሎም።

ዕላማ ቅድሚ ሎሚ ናይ ዝነበረ ሕጊ ንዜጋታት ካብ ሽብር ምሕላውን ምክልኻልን ከምዝነበረ ብምግላፅ ናይ ሎሚ ግን ኣተሓሕዛ ብሽብር ናይ ዝጥርጠሩ ሰባት ከምኡ እውን መስርሕ ኽሲ ዓለምለኸ ደረጅኡ ዝሓለወ እዩ ኢሎም።

“ናይቲ ሕጊ ዕላማ ንሽብር ምልክልኻል ጥራሕ ዘይኮነስ ናይ ዜጋታት መሰላት ምኽባርን ክኽበር ምግባርን ኣብ ግምት ዘእተወ እዩ።”

መሰል ንምሕታት ዝካየድ ተቓውሞ፣ሰልፊ፣ኣኼባ ብገበን ሽበራ ከምዘየሕትትን ሽብር ክፍፀም ወይ እናተፈፀመ ምዃኑ ዘረጋግፅ እንተድኣ ዘይኮይኑ ጋዜጠኛታት፣ሓካይምን ዝኣመሰሉ ኣካላት ብሕጊ ዝሓዙዎ መረዳእታ ንሳልሳይ ወገን ኣሕሊፎም ንምሃብ ከምዘይግደዱ ብግልፂ ተቐሚጡ’ሎ ኢሎም።

ዕጥቓዊ ቓልሲ ዘካይዱ ኣካላት ሽብርን ዕጥቓዊ ቓልስን ክሳብ ዘይሓዋወሱ ብናይ ጄኔቫ ኮንቨንሽን እምበር ብገበን ሽብር ኣይሕተቱን ኢሎም።

ኣብስራሕ ዘሎ ሕጊ ኣፈፃሚ ኣካል ንዝኾነ ይኹን ጉጅለ ኣሸባሪ ኢሉ ንምምዳብ ናብ ፓርላማ ኣቕሪቡ ከፅድቕ ነይሩዎ።በዚ ሓድሽ ሕጊ ግን “ካብቲ ናይ ቅድሚ ሎሚ ኣዚዩ ፍሉይ ዝገብሮ ብሽበራ ክምደብ ዝተኸሰሰ ውድብ ርእይትኡ ከስምዕ ዕድል ክውሃቦ ከምዘለዎ ተቐሚጡ’ሎ።ብሽብር ምስተመደበ እውን እቲ ምደባ ክልዓለሉ ዘመልክተሉ ስርዓት ተዳልይሉ’ሎ።ይልዓል ኢሉ ዝሓትት ድማ እቲ ውድብ ጥራሕ ዘይኮነስ ዝኾነ ይኹን ሰብ ከልዕሎ ይኽእል።”

ኣቶ ኣምሃ መኮነን ብተወሳኺ እቲ ረቂቕ ሕጊ ኮይኑ ንክወፅእ ዝተረፎ እዋን ሓፂር እዩ።ኣብ ግብሪ ክውዕል ግን ብኣካላት ፈፀምቲን ተርጎምትን ሕጊ ዝለዓለ ናይ ኣተሓሳስባ ለውጢ ከምዘድልይ ገሊፆም።

XS
SM
MD
LG