ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቤት ምኽሪ መራኸቢታት ሓፋሽ ኢትዮጵያ ዕጽዋ ማሕበራዊ መራኸቢታት ክለዓል ይውጽዕ


ቤት ምኽሪ መራኸቢ ሓፋሽ ኢትዮጵያ፡ መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝገበሮ ዕፅዋ ብምዅናን፡ “ንሕገ-መንግስቲ እታ ሃገር ዝፃረር’ዩ፡” ብምባል ክለዓል ፀዊዑ።

ናይቲ ቤት ምኽሪ ምኽትል ፈፃሚ ስራሕ ኣቶ ታምራት ኃይሉ፡ እቲ ዕፅዋ ኣብ ምእካብን ምዝርጋሕን ሓበሬታ ዓቢ ዕንቅፋት ኰይኑ ኣሎ ክብሉ ንድምጺ ኣመሪካ ሓቢሮም። ስራሕቶም ብማሕበራዊ መራኸቢታት ዝፍንዉ ጋዜጠኛ በቃሉ ኣላምረውን፣ ካልእ ስሙ ክገልፅ ዘይደለየ ጋዜጠኛን፡ እቲ 24 መዓልታት ኣቝፂሩ ዘሎ ዕፅዋ ማሕበራዊ ሚድያ ስራሓቶም ንምክያድ ከምዘየኽኣሎም ሓቢሮም።

ርእይቶኦም ንድምጺ ኣመሪካ ዘካፈሉ ወገናት ድማ ነቲ ተግባር ኣንጻር ናፃ ፕረስ’ዩ ክብሉ ገሊጾም።

ኢንተርኔት ሶሳይቲ ኢትዮጵያ ናይ ዝተተባህለ ማሕበር ፕረዝደንት ዝኾኑ ዶ/ር ኣስራት ሙላቱ ብወገኖም፡ ዕፅዋ ማሕበራዊ ሚድያ ንስራሕ መራኸቢ ሓፋሽ ጥራሕ ዘይኮነ፣ ንካልኦት ማሕበረ-ቁጠባዊ ርክባትን ምንቅስቓሳትን እውን ይኹልፍ ከምዘሎ ገሊፆም።

እቲ ዕፅዋ ማሕበራዊ ሚድያ ንክልዓል ድማ ቤት ምኽሪ መራኸቢ ሓፋሽ ኢትዮጵያ ንመንግስቲ ፃውዒት ገይሩ ኣሎ። ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ እውን ብተመሳሳሊ ዝሓለፈ ሰሙን፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ንዘንበሮ ዕፅዋ ከልዕል ከምዝፀወዐ ይዝከር።

ኣብ ኢትዮጵያ ከም ዩቲዩብ፡ ቴሌግራምን፡ ፈይቡይክን ዝኣመሰሉ መራኸቢ ማሕበራዊ ማሕበራዊ ሚዲያ ካብ ዝዕፀው 24 መዓልታት ኣቑጺሮም ኣለው።

XS
SM
MD
LG