ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቤት ምኽሪ ሓባራዊ መድረኽ ፓርትታት ፖለቲካ ሃገራዊ ምርጫ ክናዋሕ ወሲኑ


ናይ ኢትዮጵያ ቤት ምኽሪ ሓባራዊ መድረኽ ፓርትታት ፖለቲካ ናይ 2012 ሃገራዊ ምርጫ ክናዋሕ ብድምፂ ብልጫ ወሲኑ።ቦርድ ምርጫ ብወገኑ ውሳነ ናይቲ ቤት ምኽሪ ወግዓዊ ኣብ ልዕሊ ዝገበሮ ናይ ምርጫ ሰደቓ ግዜ ተፅዕኖ ኣይህልዎን ክብል ኣፍሊጡ።

ናይ ኢትዮጵያ ናይ ፖለቲካ ፓርትታት ናይ ሓባር ቤት ምኽሪ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብዘካየዶ ኣኼባ ሃገራዊ ቦርድ ምርጫ ዝወሰኖ ሰደቓ ግዜ ክናዋሕ ድምፂ ወሲኑ’ሎ።

ገዛኢ ፓርቲ ሓዊሱ ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከቡ ፖለቲካዊ ውድባት ዝሳተፍሉ ናይ ሓባር ቤት ምኽሪ ኣብዘካየዶ ኣኼባ ልዕሊ 50 ውድባት ተሳቲፎምሉ።

ምርጫ ይናዋሕ ኣይናዋሕ ዝብል ብዝተወሃበ ድምፂ 41 ፓርትታት ይናዋሕ ክብሉ ከለው ገዛኢ ፓርቲ ሓዊሱ ሽዱሽተ ፓርታት ኣብ ዝወፀሉ ናይ ግዜ ሰደቓ ክካይድ ድምፆም ሂቦም።ሓሙሽተ ውድባት ድማ ድምፆም ዓቂቦም ኣለው።

እቲ ውሳነ ንዝምልከቶም ኣካላት መንግስቲ ከምዝቐርብ መራሕቲ ናይቲ ቤት ምኽሪ ሓቢሮም።እቲ ውሳነ ቦርድ ምርጫ ኣብ ልዕሊ ዘቐመጦ ናይ ግዜ ሰደቓ ዘለዎ ትርጉም ዝተሓተቱ ምኽትል ኣቦ መንበር ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ኣቶ ውብሸት ኣየለ ምስ ፖለቲካዊ ውድባት ክልተ ሰለስተ ግዜ ምስተመያየጡ ነቲ ናይ ግዜ ሰደቓ ከምዘውፅኡ ብምሕባር ናይ መወዳእታ ውሳነ ካብ ዝምልከቶ ኣካል ካብ ፓርላማ እንተድኣ መፂኡ ተፅዋዕነትና ንፓርላማ ስለዝኾነ ብኡ መሰረት ክንኸይድ ኢና ኢሎም።

ገለ ፖለቲካዊ ፓርትታት ነዚ ናይ ግዜ ሰደቓ ይኹን ቦርድ ምርጫ ንዝሰርሖም ካልኦት ተግባራት ነቒፎም ኣለው። ቦርድ ምርጫ ደጋፊ ብልፅግና ፓርቲ እዩ ክብሉ እውን ኸሲሶም ኣለው።ምኽትል ፕረዚደንት ውድብ መላእ ሓድነት ኢትዮጵያ ኣቶ ሙሉጌታ ኣበበ ቦርድ ምርጫ ቅድሚ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ሓባራዊ መድረኽ ፖለቲካ ፓርትታት ምክያዱ ናይ ግዜ ሰደቓ ምውፅኡ እቲ ምርጫ ብአጋኡ ውዱቕ ይኸውን ኣሎ ኢሎም።

“እቲ ቦርድ ናይ ብልፅግና ወኪል ምዃኑ ኣብ ምርግጋፅ እዩ ዝርከብ።እዚ ብትኽክል ክንቃለሶ ዘለና ስለዝኾነ እቲ ቤት ምኽሪ፣መራሕቲ ቤት ምኽሪን ኣባላትን ስቕ ኢልና ንሓልፎ ኢና ኢለ ኣይኣምንን።”

ምኽትል ኣቦ መንበር ቦርድ ምርጫ ኣብዝሃብዎ መልሲ ኻልኦት ውድባት ሰለስተ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ዝውድኦም ጉዳይ ብልፅግና ፓርቲ ብዘለዎ ብልጫ ፀጋታት ንነገራት ኣብ ዝሓፀረ እዋን ክውድእ ምኽኣሉ ዝተፈለየ ነገር ዝግበረሉ ይመስሎም ስለ ዘሎ እዩ እምበር እቲ ሓቂ ከምኡ ኣይኮነን ኢሎም።

“ሓቂ ንምዝራብ ኣብኡ ዘለና ሰባት ገለልተኝነትና ንምርግጋፅ ንኸዶ ዘለና መንገዲ ከቢድ እዩ።ስለዚ ሓሸክር ናይ ምዃን ዓቕሚ የብልናን፣ንሰባት ዝሽከም ማእገር እውን የብልናን።ካብ ስራሕናን ሕግን ወፃኢ ዝገዝአና ይኹን ንምርሓሉ ካልእ ነገር የለን።”

ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ሃገራዊ ምርጫ ድምፂ ዝውሃበሉ ዕለት 23 ነሓሰ 2012 ዓ/ም ክኸውን ወግዓዊ ምግባሩ ይዝከር።

XS
SM
MD
LG