ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቤትፍርዲ ኣብ ቀይዲ ዝጸንሑ ክልተ ላዕለዎት ኣመራርሓ ዝርከብዎም ሓሙሽተ አባላት ህውሓት ብዋሕስ ክፍትሑ ወሲኑ


ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ትሕቲቀይዲ ፖሊስ ውዒሎም ዝነበሩ ክልተ ላዕለዎትኣባላት ኣመራርሓ ህወሓት ዝርከቡዎም ሓሙሽተ ተጠርጠርቲ ብዋሕስ ክፍትሑ ቤት ፍርዲ ምውሳኑ ጠበቓ ናይቶም ተኸሰስቲ ኣቶ ታደለ ገብረመድህን ንድምጺ ኣሜሪካ ገሊፆም።

ንሶም ብዛዕባ ናይ ሎሚ ውዕሎ ቤት ፍርዲ ከምዚ ኢሎም።

“ተኸሰስቲ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ህወሓት ፍሉይ ዞባ ኣዲስ ኣበባን ኣባል ማእከላዊ ኮሚቴ እቲ ውድብን ኣይተ ተወልደ ገብረፃድቃን፣ ላዕለዋይ ኣባል ኣመራርሓ ህወሓት ብደረጃ ሚንስትር ድኤታ ምክትል ዳይሬክተር ኢንስቲትዩት መፅናዕትን ምርምርን ሕግን ፍትሕን ፌደራል ኣይተ ተስፋኣለም ይሕደጎሓላፊ ድሕነትን ሓበሬታን ክፍለ ከተማ ኣቃቂ ኣቶ ኣፅብሃ ኣለማየሁ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ቤት ፅሕፈት ህወሓት ዘወርቲ መኪና ዝኾኑ ኣቶ በሪሁን ፅጌን ኣቶ ስምኦን ዘገየን እዮም።

ዝተኸሰስሉ ድማ ንናይ ውሽጥን ወፃእን ግብረ ሽበራዊያን ብምሕጋዝ፣ መንግስታዊ ምስጢራዊ

ሰነዳት ኣሕሊፎም ብምሃብን ድሕሪ ሞት ሃጫሉ ኣብ ዝነበረ ናዕቢ ኢድ ነይሩዎም ዝብሉ እዮም። ”

ቤት ፍርዲ ክፍትሑ እንተወሰነ እውን ክሳብ እዚ ዜና ዝተሰርሐሉ ካብ ቤት ማእሰርቲ ከምዘይወፁ ጠበቓ ሕጊ ኣቶ ታደለ ገብረመድሂን ወሲኾም ገሊፆም ኣለው።

ክሱሳት ንልዕሊ ሓደ ወርሒ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከምዝፀንሑ ይፍለጥ።

XS
SM
MD
LG