ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቤተሰብ ውሩይ ስነጥበባዊ ሃጫሉ ሁንዴሳ ንህጻናትን አረጋዊያንን ይሕግዙ


ቤተሰብ ስነ-ጥበባዊ ሃጫሉ ሁንዴሳ፣ ኣብ ኣምቦ ንዝርከብ ትካል ህጻናትን ኣረጋዊያንን ከምኡውን ኣብ’ታ ከተማ ንዝርከቡ ልዕሊ 200 ቆልዑ ከምዝሓገዘ ተፈሊጡ።

በዓልቲ ቤት ሃጫሉ ወ/ሮ ፋንቱ ደምሰው "ሃጫሉ ንሰባት ንምሕጋዝ ዝነበሮ ትምኒት ከዕውት ግዴታይ እዩ" ድሕሪ ምባል "ደጊም ኣይነብዕን፣ ዝነብዕ፣ ሕልምታቱ ከዕውት እንተዘይኪኢለ ጥራሕ እዩ" ከምዝበለት’ውን ተሓቢሩ'ሎ።

እዚ ከምዚ'ሉ ከሎ፣ መበል ሓደ ዓመት ዝኽሪ ሞት ስነ-ጥበባዊ ሃጫሉ ሁንዴሳ ሎሚ ኣብ ዝተኸበረሉ መድረኽ ናይ’ቲ ስነ-ጥበባዊ ሳልሳይቲ ኣልበም ከምዝተመረቀ ዝረኸብናዮ ዜና ገሊጹ።

ብምኽንያት ቀዳማይ ዓመት ሞት ሃጫሉ መግለጺ ዝሃበት ኣብ ዓለምለኸ ትካል ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ሁማን ራይትስ ዎች ዳይሬክተር ክፍሊ ቀርኒ ኣፍሪቃ ለሊታ በድር ብወገና "ሞት ሃጫሉ፣ ቀራን መገዲ ከምዘጀመረ፣ ዘበነ ወጽዓን ህውከትን ኣብ ኢትዮጵያ ከምዘበገሰ" ሓቢራ።

XS
SM
MD
LG