ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቤላሩስ ብመንገዲ ስደተኛታት ኣቢላ ንጎረቤት ሃገር ፖላንድ ከተዳኽም ትፍትን


ስደተኛታት ኣብ ዶብ ቤላሩስን ፖላንድን
ስደተኛታት ኣብ ዶብ ቤላሩስን ፖላንድን

መንግስቲ ቤላሩስ፡ ንስደተኛታት፡ ብመገዲ ሃገሩ ኣቢሎም፡ ናብ ጎረቤት ሃገር ፖላንድ ንኸሕልፍ ይፍትን ምህላዉ ብሰፊሑ ይኽሰስ። መራሕቲ ዝማዕበላ ሃገራት ጕጅለ 7 ድማ ነቲ ቤላሩስ እተካይዶ ዘላ ናይ ኢደ-ዙር ዝሑል ኲናት ኣትሪረን ነቒፈን።

ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ብኢንዳስትሪ ዝማዕበላ ሃገራት ካናዳ፡ ፈረንሳይ፡ ጀርመን፡ ኢጣልያ፡ ዓዲ፡ብሪጣንያን ኣመሪካን ኣብ ዘውጽኡዎ ሓባራዊ መግለጺ፡ ቤላሩስ እትገብሮ ዘላ ንስደተኛታት ናብ ዶባት ፓላንድ ምጽጋዕ ብቐጥታ ደው ከተብሎን ከምዚ ዝመስል ተዃታዂ ባህሪ ደው ከተብልን ጸዊዕም።

ሃገራት ኤውሮጳ፡ ፕረዚደንት ቤላሩስ ኣሌክሳንደር ሉካሸንኮ ካብ ማእከላይ ምብራቕ ዝመጹ ስደተኛታት ናብ ሃገሩ ክኣትዉ ዕድል ከፊቱ ናብ ፖላንድ ንከቕንዑ ዕድል ብምኽፋቱ’የን ዝነቕፍኦ። ከም መግለጺ ሃገራት ኤውሮጳ፡ ፕረዚደንት ሉካሸንኮ ከምኡ ዝገበረ፡ ንምጕዕጻጽ ምርጫ ኣመልኪተን ሃገራት ኤውሮጳ ድሕሪ ዘንበራሉ እገዳ’ዩ። ቤላሩስ ግን ነቲ ክሲ ትነጽጎ’ያ።

ሃገራት ጕጅለ 7 ብሓሙስ ኣብ ዘውጽአኦ መግለጺ፡ ፕረዚደንት ሉካሸንኮ ነዚ ስጕምቲ ዝገብር ዘሎ፡ ኣብ ውሽጢ ሃገሩ ንዝገብሮ ዘሎ ሰፊሕ ሰብኣዊ ጥሕሰታት ኣቓልቦ ንምጥምዛዝ’ዩ ይብላ።

XS
SM
MD
LG