ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቤላሩስያዊያን ኑክሌራዊ ኣጽዋርን ወታሃደራት ሩስያን ብቀዋሚነት ንምትእንጋድ ወሲኖም


ፕረዚደንት ኣሌግዛንደር ሉካሽንኮ ድምጺ ኣብ ዝህበሉ እዋን
ፕረዚደንት ኣሌግዛንደር ሉካሽንኮ ድምጺ ኣብ ዝህበሉ እዋን

ቤላሩሳዊያን ኒኩሌራዊ ኣፅዋርን ሓይልታት ሩሲያን ብቀዋሚ ንምእንጋድ ብዝብል ዝተኻየደ ሪፈረንደም ሎሚ ሰኑይ ብዓብላሊ ድምፂ ኣፅዲቖም።

እዚ ዝተመሓየሸ ሕጊ ቤላሩስ ብሽም ወታሃደራዊ ልምምድ ኣብ ግዝኣታ ብምእታው ንዩክሬይን ዝወረሩ ሓይልታት ሩሲያ ምስ ቤላሩስ ብርቱዕ ወታሃደራዊ ምትሕብባር ክፍጠሩ መንገዲ ዝኸፍት እዩ።

እዚ ለውጢ ድሕሪ ውድቀት ሕብረት ሶቪየት ኒኩሌራዊ ኣፅዋር ርእዩ ዘይፈልጥ መሬት ቤላሩስ ንፈለማ ግዜ ኑክሌር ከተናግድ ዝገብር እዩ።

እቲ ሪፈረንደም ኣብ ስልጣን ዘመን ፕረዚደንት ኣሌግዛንደር ሉካሽንኮ ተሳዒሩ ዝነበር ደረት ፕረዚደንት ስልጣን'ውን መሊስዎ ኣሎ። ኣቐዲሙ ዝጸንሓ ሕጊ ሓደ ፕረዚደንት ንኽልተ ናይ ሓሙሽተ ዓመት ስልጣን ዘመን ጥራሕ ከገልግል ኣለዎ ይብል።

XS
SM
MD
LG