ፕረዚደንት ጆ ባይደን ንነዊሕ እዋን ደጋፊ’ቲ “ፊልባስተር” ተባሂሉ ዝጽዋዕ፡ ምትዕንቓፍ መስርሕ ድምጺ ምሃብ፡ ደኣ ይንበሩ’ምበር፡ ሕጂ ነቲ ኣገባብ ከትርፉዎ ኣብ ዝወጠኑሉ እዋን ግን ካብ ሰልፊ ሪፓብሊካን ተቓውሞ ዝገጠሞም ይመስል። ፊልባስተር-ኣባላት ሰነት ድምጺ ክሓልፈሉ ኣብ ዝውሰን እዋን ኣንዊሖም ብምዝራብ ነቲ ሰዓታት ድምጺ ምሃብ ዘናውሑሉ መስርሕ’ዩ።
ኣብዚ እዋን’ዚ ላዕለዋይ ባይቶ ኣመሪካ (ሰነት) ብማዕረ 50 ብ50 ክልተ ተቐናቐንቲ ሰልፍታት ተሓዚኡ ኣሎ። ምስ ድምጺ ምኽትል ፕረዚደንት ግን ደሞክራት ዓብላልነት ደኣ ይሃሉዎም እምበር፡ ንኣገደስቲ ውሳነታት ኣብ ዘሕልፉሉ ግዜ ግን ኣዝዩ ኣሸጋሪ’ዩ ጸኒሑ።
እዚ ናይ ፊልባስተር መስርሕ ንኽተርፍ ብውሑዱ ናይ 60 ኣባላት ሰነት ድምጺ ድጋፍ የድልዮ። እዚ መስርሕ ክተርፍ ዝምጕቱ ወገናት፡ እቲ ኣገባብ ንደሞክራሲያዊ መስርሕ ዝጻረር ምዃኑ ይዛረቡ። ካልኦት ግን ኣብ ክንዲ ብቐጥታ ብድምጺ ጥራይ ውሳነ ምሕላፍ፡ ኣባላት ሰነት ተኻቲዖምን ኣብ ስምምዕ ብምብጻሕን ክውስኑ ከም ዝሕግዝ ይኣምኑ።
ኣባላት ሰልፊ ደሞክራት ዝዀኑ ጆ ማንቺንን ክይርሰን ሲነማን ነቲ ሓሳብ ከም ዘይቅብሉዎ ድሮ ኣተንቢሆም ኣለዉ። ስክፍታኦም ምናልባት ሰልፊ ሪፓብሊካን ኣብ ዝመጽእ ምርጫ ንታሕተዋይን ላዕለዋይን ባይቶ ምስ ዝቈጻጸሩዎ ድላዮም ንኽገብሩን ሕግታት ክቕይሩን ዕድል ዝኸፍት’ዩ ካብ ዝብል ሻቕሎት’ዩ።
መራሒ ላዕለዋይ ባይቶ ውሑዳን ዝዀኑ ሚች ማኮነል’ውን፡ ሰልፊ ደሞክራት ንናይ ፊልባስተር ሕጊ እንተ ኣፍሪሶም፡ ሪፓብሊካውያን’ውን ንውሳነታት ዘደንጕዩሉ ካልእ ምርጫታት ኣይክስእኑን’ዮም ኢሎም ኣለዉ።