ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ባይቶ ጸጥታ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ንዝተነብረ እገዳ ከልዕሎ ይቀራረብ ከምዘሎ ዲፕሎማት ሓቢሮም


እቲ ብእንግሊዝ ዝቐረበ እማመ ንኹሉ`ቲ ንእገዳታት ኣጽዋር፡ መገሻን ምድስካል ንብረትን ዝምልከት ኮይኑ ብቕጽበት ክልዓል ዝጽውዕ ምዃኑ ምንጭታት ዜና ሮይተርስን ኣጃንስ ፍራንስ ፕረስን ሓቢሮም ኣለዉ።

ከም ሓበሬታ`ቶም ምንጭታት እቲ ዝመጽእ ሕዳር 14, 2018 ክልዓል ተሓሲቡ ዘሎ ምልዓል እገዳ ኤርትራ፡ ተቓውሞ ኣሜሪካ ስለዝተኣልየሉ ብድምጺ ክሓልፍ ዲፕሎማት ትጽቢት ይገብሩ።

ኣብ እገዳ ዝነበረ መርገጺ ኣሜሪካ ዝተቐየረ፡ ብውሳነ ኣማኻሪ ሃገራዊ ጸጥታ ኣሜሪካ ጆን ቦልተን ምዃኑ ምንጭታት ዜና ይጠቕሱ።

XS
SM
MD
LG