ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ባይቶ ጸጥታ ሕ/ሃ ጉዳይ ግድብ ህዳሴ ናብ ሕብረት ኣፍሪቃ ክምለስ ወሲኑ


ኢትዮጵያ ንኻልኣይ ገጽ ምምላስ ሓጽቢ ሕዳሴ ትቀራረበሉ ኣብ ዘላ እዋን፡ ግብጺን ሱዳንን ተሪር ቍጥዐ የስምዓ ኣለዋ። ሚኒስትራት ጉዳያት ወጻኢ ክልተኣን ሃገራት፡ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ጉዳይ ተፋሰስ ማይ ኒል ምትእትታው ክገብር ብሓሙስ ኣብ ዝተጋብአ ርክብ ጸዊዖም።

ኣብ 2011 ምስራሕ ዝጀመረ ሓጽቢ ሕዳሴ፡ ዓቢ ማያዊ ጸዓት ክፈጥር ትጽቢት ዝግበረሉ ኮይኑ፡ ኣብ ኣጋ-ምዝዛሙ ይርከብ።

ኣብቲ ርክብ፡ ኢትዮጵያ’ውን ብመገዲ ሚኒስተር ማይ፡ መስኖን ጸዓትን፡ ስለሺ በቀለ ኣቢላ’ውን መልሲ ሂባ ነይራ። .

ንምዕጋት ፈለግ ኒል ኣመልኪቱ ንዝሓለፈ 10 ዓመት በብይኖም ርክባት ደኣ ክካየዱ ይጽንሑ እምበር፡ ዛጊት ግን መዕለቢ ኣይረኸቡን።

ኣብቲ ርክብ፡ ኣባላት ባይቶ ጸጥታ፡ እተን ሃገራት ፖለቲካዊ መፍትሒ ከናዲያን ነቲ ዘሎ ፍልልያተን ዘጽብብ ቅልጡፍ ዘተ ክገብራን ጸዊዐን ኣለዋ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል::

ባይቶ ጸጥታ ሕ/ሃ ጉዳይ ግድብ ህዳሴ ናብ ሕብረት ኣፍሪቃ ክምለስ ወሲኑ
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:39 0:00



XS
SM
MD
LG