ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ባይቶ ጸጥታ ሕ/ሃ ኣብ ጉዳይ ውጥረት ሩስያን ዩክሬን ይዛተ


ሰራዊት ዩክሬን
ሰራዊት ዩክሬን

ባይቶ ጸጥታ ሎሚ ብዛዕባ ወጥሪ ሩስያን ዩክሬንን ኣኼባ ተቐሚጡ`ሎ። ሩስያ ልዕሊ 100 ሺሕ ሰራዊት ኣብ ዶብ ዩክሬን ምስፋራ፡ ነታ ሃገር ክትወራ ትኽእል`ያ ዝብል ሻቕሎት ወሲኹ`ሎ።

ጓል 52 ዓመት ማሪያና ዛግሎ፡ ኣብ ዋና ከተማ ዩክሬን ኪየቭ ኣብ ንግዲን ዕድግን ትሰርሕ። ንሳ ካብ መንጎ ዕቑር ሓይሊ ምክልኻል ዶብ`ያ። ሩስያ እንተወሪራትና ንሃገረይ ክዋጋእ ድልውቲ ኣለኹ ትብል።

እዛ ኣብ ሞያ ዕድጊ ተሰርሕ ዩክሬናዊት"ሕጂ ኣነ ወተሃደር`የ። ትእዛዝ ክቕበል ግድን`ዩ። ሰባት ክቐትል ኣይደልን`የ፡ ንዓደይ ግን ክከላኸል`የ" ትብል ።

ብመሰረት ጸብጻብ ዜና ሮይተርስ፡ ኪየቭ ክሳብ 130 ሺሕ ዝበጽሕ ዕቑር ሓይሊ ሃኒጻ`ላ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ፕረዚደንት ባይደን ሓደ ውሕድ ዝበለ ሓይሊ ናብ ምብራቓዊ ኤውሮጳ ይምደብ ከም ዘሎ ድሕሪ ምፍላጡ ኣመሪካ ኣጽዋራትን ዕጥቅን ናብ ዩክሬን ትልእኽ ኣላ፡ ።

ኣብዚ ሎሚ ዝካየድ ዘሎ ኣኼባ ባይቶ ጸጥታ፡ ኣመሪካ ንሩስያ ብዛዕባ ኣብ ዶብ ዩክሬን ወተሃደራዊ ሓይሊ ምህናጻ ክትምጉታ ምዃና ተገሚቱ`ሎ።

ኣምባሳደር ሊንዳ ቶማስ ክሪንፊልድ ቅድሚ`ቲ ኣኼባ ክትገልጽ ከላ፡ ድምጺ ባይቶ ጸጥታ ሓደ`ዩ ዘሎ፡ ሩስያውያን ሓሳቦም ክገልጹ ክንሰምዖም ኢና ግን ብናቶም ፕሮፓጋንዳ ኣይክንልወጥን ኢና ኢላ`ላ። ኣተሓሒዛ ሩስያ ንዩክሬን ክተጥቅዓ ትኽእል`ያ እንተዘይኮነ ንኽትጥቀመሎም መደብ እንተዘይብልካ 100 ሺሕ ሰራዊት ናብ ዶብ ኣይተጸግዖምን ኢኻ ኢላ።

ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ ሰርገይ ላቭሮቭ ዝሓለፈ ቀረባ ክዛረብ ከሎ፡ ሩስያ ምስ ኣመሪካ ሓባራዊ ምክብባር`ያ ትደሊ፣ ንሻቕሎትና ጠንቂ ኮይኑ ዘሎ ግን ወተሃደራዊ ኪዳን ኔቶ ናብ ምብራቕ ገጹ እናስፍሐ ምኻዱ`ዩ ኢሉ ኔሩ።

ብኻልእ ወገን ኣጽዋራት ናብ ዩክሬን ምእታዉ ቀጺሉ`ሎ፡ ብሪጣንያ ዝሃበታ ጸረ ታንኪ ሚሳይላት ሓደ ካብኡ`ዩ።

ኣብ ኣመሪካ ኣምባሳደር ዩክሬን ኦክሳና ማርካሮቫ፡ ንሕና ልዑላዊ ሃገር ኢና ኣካል ግዝኣት ሩስያ ክንከውን`ውን ኣይንደልን ትብል፡

"ኣካል ሕብረት ሶቭየት ወይ ግዝኣት ሩስያ ክንከውን ኣይንደልን ኢና። ናጻ ሃገር ኢና። ንምኽባር ልዑላውነትና ድማ ንቃለስ ኣለና። ሩስያውያን ንዩክሬን እንተኣጥቂዖም ኣብ ዩክሬን ጠጠው ክብሉ ኣይኮኑን። ነዚ`ዩ ድማ ንኤውሮጳ ኾነ ነቲ ካልእ ደሞክራሲያዊ ዓለም ኣሰኪፉ ዘሎን ነብስና ንኽንከላኸል ዝሕግዘና ዘሎን። ምስኡ`ውን ምኽባር ኣህጉራዊ ሕጊ`ዩ።"

ሃገራት ኔቶ ንብረታዊ ሓገዛት ናብ ዩክሬን ምልኣኸን ቀጺለን ኣለዋ። ሓላፊ ኔቶ ግን ሩስያ እንተወረረት ብዝብል ሰራዊት ናብቲ ቦታ ከምዘይልኣኽ`ዩ ተዛሪቡ። ሩስያ ብወገና ዩክሬን ናብ ኪዳን ኔቶ ንኸይትጽንበር ተቕርቦ ዘላ ጠለብ ብምዕራባውያን ተቐባልነት ኣይረኸበን።

XS
SM
MD
LG