ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ባይቶ ጸጥታ ሕ/ሃ ኣብ ጉዳይ ክልል ትግራይ ዘካየዶ አኼባ ብዘይ ስምምዕ ተዛዚሙ


ፋይል
ፋይል

ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ንመጀመርያ ግዜ ኣብ ጉዳይ ናይ ኢትዮጵያ ክልል ትግራይ ብወግዒ ዝገበሮ ኣኼባ ብዘይስምምዕ ተወዲኡ። ሕቡራት ሃገራት ኣብቲ እዋን፡ ሓይልታት ትግራይ ስምምዕ ተኹሲ ደው ክገብሩ ዘተሓሳሰበ ክኸውን ከሎ፡ ሰብኣዊ ቅልውላው`ቲ ኽልል ንምቕራፍ ድማ ፖለቲካዊ ፍታሕ ምምጻእ ጠቓሚ ምዃኑ ኣፍሊጡ`ሎ።

ኣብቲ ኣኼባ ክልተ ዝተፈላለዩ መርገጽታት ተንጸባሪቖም`ዮም ኣሜሪካ ሕጂ`ውን መንግስቲ ኢትዮጵያ ተበጻሕነት ሰብኣዊ ኣገልግሎታት ንምርግጋጽ ሓላፍነቱ ክፍጽም ኣለዎ ክትብል ከላ: ሩስያ ብወገና ጉዳይ ክልል ትግራይ ናይ ኢትዮጵያ ናይ ውሽጢ ጉዳይ`ዩ ኣብ ዝብል መርገጻ ጸኒዓ`ላ። ቻይና`ውን ምስ ሩስያ ዝሰማማዕ መርገጽ`ያ ኣንጸባሪቓ።

ተወካሊ ኢትዮጵያ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ብወገኑ፡ ኣባላት ቤት ምኽሪ ጸጥታ እታ ሃገር ዘለውዋ ብድሆታት ብዝግባእ ብምርዳእ ነቲ ትገብሮ ዘላ ጻዕሪ ክድግፉ ጸዊዑ`ሎ።

ኣብቲ ኣኼባ ብቐዳምነት ዝተዛረበት ምኽትል ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ንጉዳያት ፖለቲካን ጸጥታን ሮዝመሪ ዲካርሎ፡ ኢትዮጵያ ኣብ ወሳኒ ምዕራፍ ትርከብ ድሕሪ ምባል ሓይልታት ትግራይ ስምምዕ ተኹሲ ደው ኣብል ክገብሩ ኣለዎም ኢላ።

ንተለወጥቲ ኣባላት ባይቶ ጸጥታ ብምውካል ዝተዛረብ ናይ ኬንያ ኣምባሳደር ብወገኑ፡ ባይቶ ጸጥታ ነቲ ኣኼባ ምጽውዑ ብምቅዋም፡ ኣፍሪቃውያን ናይ ባዕሎም ጸገም ባዕሎም ዝፈትሕሉ ዕድል ክውሃቦም ኣለዎ ኢሉ::

ምሉእ ጸብጻብ ጽባሕ ኣብ ናይ ጽባሕ ፈነወ ተኸታተሉ።

XS
SM
MD
LG