ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ባይቶ ጸጥታ ሕ/ሃ ንጉዳይ ኢትዮጵያ ዘባረረቶም አባላት ሕ/ሃ ዝምልከት ዘተ የሳልጥ ኣሎ


ቤት ምኽሪ ፀጥታ ሕቡራት ሃገራት ኢትዮጵያ ብዛዕባ ዘባረረቶም ሰበስልጣን ሕቡራት ሃገራት ይዘራረበሉ ኣሎ።

ዋና ፀሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒዮ ጉተረዝ ኢትዮጵያ ኣብ ቀረባ ብዛዕባ ዘባረረቶም ሸውዓተ ላዕለዎት ሰበስልጣን ሕቡራት ሃገራት ንቤት ምኽሪ ፀጥታ ሃገራት ረቡዕ መብርሂ ክህቡ እዮም።

እቲ ቤት ምኽሪ ክልተ ሰሙናት ኣብ ዘይመልአ ግዜ ብዛዕባ ኢትዮጵያ ክዝቲ እዚ ንኻልኣይ ግዜ እዩ።ፌደራል መንግስቲ እቶም ሰበስልጣን ኣብ ውሽጢ 72 ስዓታት ካብታ ሃገር ክወፁ 30 መስከረም 2021 ምፍላጡ ይዝከር።

"ናይዞም ሰራሕተኛታት ረድኤት ምብራር እቲ ኩነታት እናኸፍአ ምኻዱ ዝሕብር ዝተጋገየ ኣንፈት ምዃኑ ሓደ ተወሳኺ ስጉምቲ እዩ’’ ኢለን ብሽም መንግስተን እቲ ኣኼባ ክካየድ ዝሓተታ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ኣምባሳደር ኣየርላንድ ገራልዲን ባይረን ናሰን።

ባይረን ናሰን ኣብ መንጎ ሕቡራት ሃገራትን መንግስቲ ኢትዮጵያን ርክባት ክፅገን እዞም ሰበስልጣን ረድኤት ናብ ስርሖም ክምለሱ ኣገዳሲ እዩ ኢለን።

‘’ወሳኒ ርክብ እዩ’’ ኢለን ንሰን ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃብኦ መብርሂ:’'ኣብዚ ስዓት እዚ ንባዕልትና ኣብ ከምዚ ዝበለ ኩነታት ክንኣትው ኣይንደልን።ክንሪኦ ዘለና ፃዕርታት ሰብኣዊ ረድኤት ክውስኽ እምበር ምስሕሓብ ኣይምተገብአን ነይሩ’’ኢለን ።

ኢትዮጵያ እቶም ናይ ረድኤት ሰበስልጣን ረድኤትን ናይ መራኸቢ ኣቑሕትን ንህወሓት ይህቡ ኣለው ዝብል ሓዊሱ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያታ ጣልቃ ብምእታውን ብካልኦትን ከሲሳቶም ኣላ።

ምኽትል ሓላፊ ጉዳያት ሰብኣዊ ረድኤት ሕቡራት መንግስታት፣ምኽትል ኣዋሃዲ ሰብኣዊ ረድኤትን ተወካሊ ዩኒሴፍን ዝርከቡዎም ካብ ኢትዮጵያ ምውፅኦም ሕቡራት መንግስታት ብቕድሚ ትማሊ ሶኑይ ኣረጋጊፁ እዩ።

ሕቡራት መንግስታት እቶም ሰበስልጣን ዋላ ሓደ ጌጋ ኣይሰርሑን ኢትዮጵያ ክተባርሮም ሕጋዊ መሰረት የብላን ኢሉ ኣሎ።

ናይ ሕቡራት መንግስታት ሓላፊ ሰብኣዊ ረድኤት ማርቲን ግሪፊትስ ድሕሪ ናይ 11 ኣዋራሕ ጭቡጥ መንግስታዊ ምዕፃው ቅልውላው ትግራይ ካብ ቁፅፅር ወፃኢ ኮይኑ ኣሎ፤ሰራሕተኛታት ረድኤት ምግቢ ንከይቕርቡ ስለዝተኸልከሉ ስቪላት ንዓፀቦ ተቓሊዖም ኣለው ክብሉ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ንAssociated Press\AP/ገሊፆም።መንግስቲ ኢትዮጵያ ብፅባሒቱ ንሸውዓተ ላዕለዎ ሰበስልጣን ሕቡራት መንግስታት የባርር ኣለኹ ክብል ኣዊጁ።

XS
SM
MD
LG