ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ባይቶ ጸጥታ ሕ/ሃ ንሰብኣዊ ኩነታት ክልል ትግራይ ዝምልከት መብርሂ ከምዝረኸበ ተገሊጹ


ፋይል
ፋይል

ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ትማሊ ረቡዕ ብዛዕባ ሰብኣዊ ኩነታት ክልል ትግራይ ካብ ጉዳይ ምውህሃድ ሰብኣዊ ረድኤት መብርሂ ከም ዝረኸበ ተገሊጹ።

ነቲ ኣኼባ ዝመርሐት ናይዚ ወርሒ`ዚ ፕረዚደንት`ቲ ቤት ምኽሪ ዝኾነት ኣምባሳደር ብሪጣን ያ ባርባራ ዉድዋርድ ፡ ሃገራ ንምፍራስ መዓስከር ስደተኛታት ህጻጽን ሺመልባን ከምዝኾነነት ድሕሪ ምግላጽ ነቶም ዝተፈናቐሉ ስደተኛታት ህጹጽ ረድኤት ክግበረሎም ጸዊዓ።

ኣተሓሒዛ በቲ ኩናት ንዝተጎድኡ ሲቪላት ረድኤት ምብጽሑ ከረጋግጹ ምስ ሰብኣዊ ትካላት ሕቡራት ሃገራት ንሰርሕ ኣለና ኢላ።

ሚንስትር ጉዳያት ወጻኢ ብሪጣንያ ዶሚኒክ ራዓብ ዝሓለፈ ጥሪ 22,2021 ኣብ ኢትዮጵያ ከምዝበጽሐ ዝገለጸት ኣምባሳደር ብሪጣንያ ኣብ ሕ/ሃ ፡ ኣብ ሰብኣዊ ሓገዝ ዝውዕል ልዕሊ $15 ሚልየን ዶላር ንኢትዮጵያ ከምዝወሃብ ምግላጹ ሓቢራ።

ነቶም ሓገዝ ዘድልዮም ልዕሊ 2 ሚልየን ሰባት ክበጽሖም መንገድታት ክኽፈት ብምጽዋዕ ድማ ኩሎም ወገናት ግጭት ሓዲጎም ንሓለዋ ሲቪላት ቀዳምነት ክህቡ ንጽውዕ ኢላ።

ብኻልእ ወገን ፡ 2.3 ሚልየን ህዝቢ ኣብ ክልል ትግራይ ኢትዮጵያ ህይወት ኣድሕን ረድኤት የድልዮ ኣሎ ዝበለ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል፡ እቲ ቐረባት ሰብኣዊ ረድኤት ኣሎ`ዩ: ግን ንክበጽሖም ዘሎ ዕድል`ዩ ድሩት`ዩ ብምባል ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ቀዳማይ ሚንስተር ኣቢይ ኣሕመድ ጸቕጢ ንምፍጣር ጎስጓስ ክግበር ጸዊዑ`ሎ።

XS
SM
MD
LG