ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝጸንሓ እገዳ ክለዓል ወሲኑ


ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ንዝሓለፈ 9 ዓመታት ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝጸንሓ እገዳ ክለዓል ሎሚ ረቡዕ ውሳነ ኣሕሊፉ።እቲ ውሳነ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ንዝሓለፈ 20 ዓመታት ዝጸንሓ ኹናት ብሰላም ድሕሪ ምዝዛሙን ዝምድና ኤርትራን ጅቡቲን ናብ ንቡር ክምለስ መስርሕ ብምጅማሩ ምዃኑን ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዘውጽኦ ረቒቅ ሓቢሩ’ሎ።

ባይቶ ሕቡራት ሃገራት ኤርትራን ጅቡቲን ዝምድናአን ናብ ንቡር ክምለስን ኣብ መንጎ ዝጸንሓ ምስሕሓብ ዶብ ብሰላም ክፈትሓ ዘተሓሳሰበ ክከውን ከሎ ንጠቕላሊ ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒ ጉተርስ ድማ ብዛዕባ’ዚ ጉዳይ የካቲት 15,2019ን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ጸብጻብ ከቕርብን ውሳነ ኣሕሊፉ’ሎ።

እቲ ናይ መገሻን ካልእ እገዳ ኤርትራ ንዕጡቓት ጉጅለታት ሶማል ትድግፍ’ያ ብዝብል ክሲ ኣብ 2009 ኣብ ልዕሊ ኤርትራን ዝተነበረ ክከውን ከሎ ኤርትራ ድማ ነቲ ክሲ ብተደጋጋሚ ክትነጽግ ምጽንሓ ይዝከር።

ኣብ ወርሒ ሓምለ,2018 ኤርትራን ኢትዮጵያን ንዝሓለፈ 20 ዓመታት ኣብ መንጎኣን ዝጸንሓ ኹናት ደው ከብላ ድሕሪ ምስምማዓን ኤምባሲታት ፡ መስመር ቴሌፎን፡መንገዲ ኣየርን መጉዓዝያ መሬትን ምጅማረን ይፍለጥ።

ብተወሳኺ ኤርትራን ጅቡቲን ነቲ ኣብ 2008 ኣብመንጎኣን ዝተፈጥረ ናይ ዶብ ምስሕሓብ ንምፍታሕን ዝምድነኣን ንምምሕያሽን ኣብ ወርሒ መስከረም ምስምማዓን ይፍለጥ።

ኣብ ናይ 2017 ኣኼባ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝጸንሓ ግጭት ዶብ ብሰላም እንተተዛዚሙ ኣብ ልዕሊ ኤርትራን ዝተነብረ እገዳ ንክለዓል ዳግመ ግምት ከምዝግበረሉ ሓቢሩ ኔሩ`ዩ።

XS
SM
MD
LG