ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣሜሪካ ንክሲ ፕረዚደንት ነበር ትራምፕ ናብ ሰነት ኣሕሊፉ'ሎ


ባይቶ ወከልቲ ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ፕረዚደንት-ነበር ትራምፕ ዘሕለፎ ዓንቀጻት ክሲ ምውራድ ስልጣን ሎሚ ብወግዒ ናብ ሰነት የሕልፎ`ሎ።

ትራምፕ ኣብ ልዕሊ ባይቶ ኣሜሪካ ብደገፍቱ ጌሩ ዓመጽ ከምዘለዓዓለ`ዩ ዝኽሰስ ዘሎ.። እቲ ኣብ ሰነት ዝካየድ ፍርዲ ሕጂ ዝመጽእ 8 መጋቢት,2021 ክጅመር ተመዲቡ`ሎ።

ትራምፕ ስልጣኑ ሓዲጉ`ዩ እንተኾነ እቲ ኣብ ሰነት ዝካየደ መስርሕ ፍርዲ ገበነኛ እንተኢልዎ፡ ድሕሪ ደጊም ኣብ ዝኾነ መንግስታዊ ስልጣን ክኣቱ ኣይክእልን ማለት`ዩ። ትራምፕ ኣብ ታሪኽ ኣሜሪካ ክልተ ግዜ ብባይቶ ዝተኸሰሰ ፕረዚደንት ኮይኑ`ሎ።

XS
SM
MD
LG