ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ ኮሚሽን ቤት ምኽሪ ምምኽኻር ክምስረት ዘኽእል ኣዋጅ ኣጽዲቑ


ህንጻ ፓርላማ ኢትዮጵያ

ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ ሃገራዊ ኮሚሽን ቤትምኽሪ ምምኽኻር ንምምስራት ዘኽእል አዋጅ ኣጽዲቁ።

ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ ሎሚ ኣብ ዘካየዶ ካልኣይ ፍሉይ ኣኼባ ንሃገራዊ ኮሚሽን ምምኽኻር ኢትዮጵያ ዘቑውም ረቂቅ ኣዋጅ ዘጽደቀ ካብ ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ሕጊ:ፍትሕን ዲሞክራሲን ዝቐረበሉ ድሕሪ ምምርማሩ ምዃኑን ብብዝሒ ድምጺ ከምዝጸደቀ ተሓቢሩ ኣሎ። 13 ተቃውሞን ሓደ ድምጸ ተዓቕቦን ከም ዝተመዝገበ'ዉን ተገሊጹ'ሎ።

ኣብ ልዕሊ'ቲ ረቂቅ ኣዋጅ ቅድም ክብል ኣብ ዝነበረ ሰሙን ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ንዝተፈላለዩ ክፍልታት ሕብረተሰብ የዘራርብ ከምዝነበረ መሓውራት ዜና መንግስቲ ክሕብሩ ጸኒሖም እዮም።

ርእይቶታት ንምርኣይ

XS
SM
MD
LG