ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ባይቶ ክልል ትግራይ ኣብቲ ክልል ምርጫ ክካየድ ወሲኑ


ባይቶ ክልል ትግራይ ኣብቲ ክልል ምርጫ ክካየድ ወሲኑ:: እቲ ባይቶ ሎሚ ኣብ ዘካየዶ ህፁፅ ጉባኤ ነዚ ውሳነ ኣሕሊፉ’ሎ::

ባይቶ ክልል ትግራይ ሎሚ ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ዘካየዶ ሓምሻይ ዘመን ሻብዓይ ህፁፅ ጉባኤ ኣብቲ ክልል ምርጫ ክካየድ ወሲኑ:: እቲ ቤት ምኽሪ: ዘመነ ስልጣን መንግስቲ ክልል ትግራይ ቅድሚ ምዝዛሙ ብደረጃ ክልል ምርጫ ክካየድ ብሙሉእ ድምፂ ምውሳኑ ተሓቢሩ ኣሎ::

እቲ ምርጫ መዓስ ከምዝካየድ ዛጊድ ብዕሊ ዝተገለፀ የለን: እቲ ብደረጃ ክልል ትግራይ ዝካየድ ምርጫ ድማ ቦርድምርጫ ኢትዮጵያ ንከፈፅሞ ደብዳበ ከምዝለኣኸሉ ምንጭታት ገሊፆም:: ብደረጃ ክልል ትግራይ ለበዳ ቫይረስ ኮረናን ምክልኻል ዝወፀ ኣዋጅ ህፁፅ ግዘ እውን ብክልተ ወርሕን ክልተ ሰሙንን ክናዋሕ ምውሳኑ ተገሊፁ ኣሎ::

ኣብ ክልል ትግራይ ምርጫ ከምዝካየድ ገዛኢ ውድብ ህወሓት ክገልጽ ዝጸንሓ ኮይኑ: ኣብቲ ክልል ዝርከቡ ሰለስተ ውድባት እውን ምርጫ ብደረጃ ክልል ክካየድ ኣለዎ ዝብል መርገጺኦም ክገልጹ ጸኒሖም’ዮም:: ካልኦት ድማ ቅድሚ ኹሉ ጥዕና ህዝቢ ክቕድም ኣለዎ ብምባል ነቲ ክልላዊ ምርጫ ተቓውሞኦም ከስምዑ ፀኒሖም እዮም::

ኣብ ኢትዮጵያ ሓፈሻዊ ምርጫ ንምክያድ ለበዳ ቫይረስ ኮረና ስግኣት እዩ ብምባል ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን እቲ ምርጫ ክናዋሕን ኣብያተ ምኽሪን ኣፈፀምቲ ስራሕን ፌደራልን ክልላትን ድማ ብዘለውዎ ክቕፅሉ ወሲኑ እዩ:: እቲ ምርጫ ኮረና ቫይረስ ስግኣት ከምዘይከውን ምስተረጋገጸ ኣብ ውሽጢ 9 ወርሒ ክሳብ ሓደ ዓመት እቲ ምርጫ ክካየድ ቤትምኽሪ ፌዴሬሽን ምውሳኑ ይዝከር::

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ::

ባይቶ ክልል ትግራይ ኣብቲ ክልል ምርጫ ክካየድ ወሲኑ
please wait

No media source currently available

0:00 0:01:24 0:00


XS
SM
MD
LG