ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ባይቶ ኣሜሪካ ብለበዳ ቫይረስኮሮና ዝተሓሰየ ቁጠባ ንምብርባር ዝውዕል ሓገዝ አጽዲቑ


ባይቶ ኣሜሪካ ንዓቕሚ ቁጠባ ኣሜሪካዊያን እንደገና ዝቕይርን ኣብ ወፃኢ እውን ንዓለምለኸ ፈንድ ጥዕና ዝውዕልን ብቢሊዮናት ዶላር ዝቑጸር ሓገዝ ኮቪድ 19 ኣጽዲቑ።

ክታበት ኮቪድ 19 ኣብ ዓለም ኣብ ዝዝርግሓሉ ዘሎን ኣብዚ ኣብ ኣሜሪካ መጠን ዝተኸተቡ 10 ሚእታዊት ኣብ ዝበፅሐሉን ኣብዚ እዋን እዚ ዴሞክራት ነቲ ለበዳ ንምጉዳል ዘኽእል ውሳነ ንምሕላፍ ይንቀሳቐስ ኣሎ።

እዚ 1.9 ትሪሊዮን ዶላር ንቁጠባ ኣሜሪካ ዳግማይ ቅርፂ ዘትሕዝን ዳርጋ ኣብ ሓደ 100 ዓመት እቲ ዝዓበየ ፀረ ድኽነት ሓገዝ እዩ ተባሂሉ ኣሎ።ሪፓብሊካዊያን እዚ ካብቲ ለበዳ ሰጊሩ ብዙሕ ጉድኣት ዝሓዘ እዩ ብምባል ተቓዊሞምዎ ኣለው።

XS
SM
MD
LG