ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ባይቶ ኣመሪካ: ማይክል ፓክ ንወኪል ኣህጉራዊ ማዕከን ሓበሬታ ኣመሪካ USAGM ክመርሕ መዝነቱ ኣጽዲቑ


ማይክል ፓክ
ማይክል ፓክ

ብምምሕዳር ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ንወኪል ኣህጉራዊ ማዕከን ሓበሬታ ኣመሪካ USAGM ክመርሕ ዝተመዘዘ ማይክል ፓክ: ትማሊ ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቐትሪ ብባይቶ ኣመሪካ መዝነቱ ክጸድቀሉ ክኢሉ ኣሎ።

ኣብቲ ትማሊ ዝተኻየደ መስርሕ ምጽዳቕ መዝነት ማይክል ፓክ ፡ ባይቶ ኣመሪካ ብ53 ድምጺ ክድግፎ ከሎ 38 ድማ ናይ ተቓውሞ ከምዝነበሮ ክፍለጥ ተኻኢሉ።

መስርሕ ምጽዳቕ መዝነት ማይክል ፓክ ብዝተፈላለየ ጉዳያት ተደናጉዩ ኣስታት ክልተ ዓመት ክወስድ ከምዝኸኣለ ብተወሳኺ ተፈሊጡ ኣሎ።

ማይክል ፓክ: ብመሰረት ትማሊ ዝጸደቐሉ መዝነት ንድምጺ ኣመሪካ VOA ዝርከቦም ኣብ ትሕቲ ወኪል ኣህጉራዊ ማዕከን ሓበሬታ ኣመሪካ USAGM ዝጥርነፋ ሓሙሽተ ኣህጉራውያን ማዕከናት ሓበሬታ ኣመሪካ ንዝቕጽል ሰለስተ ዓመት ክመርሕ እዩ።

XS
SM
MD
LG