ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ባይቶ ተወከልቲ ህዝቢ ኣሜሪካ ንጉዳይ ኢትዮጵያ ብዝምልከት ቃል ምስክራት ሰሚዑ


ትማሊ ሓሙስ ንጉዳይ ኢትዮጵያ ብዝምልከት ንምስክራት ንምስማዕ ዝተሰየመ ንኡስ ኮሚቴ ባይቶ ተወከልቲ ህዝቢ ኣሜሪካ ናይ ኣርባዕተ ምስክራት ቃል ሰሚዑ'ሎ።

እቶም ምስክራት ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት ብፍላይ ድማ ኣብ ዝሓለፈ ሓደ ወርሒ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ብዛዕባ ዘሎ ግጭት ብዝምልከት ንፈልጦ ኢና ዝበልዎ ንኣባላት'ቲ ቤት ምኽሪ ኣረዲኦም ኣለዉ።

ካብ ካሊፎርንያ ዝተወከለት ኣባል ባይቶ ካረን ባስን ፥ ካብ ኒው ጀርሲ ዝተወከለ ክሪስ ስሚዝን ብዛዕባ ኢትዮጵያ ብዓሚቕ ከምዝፈልጡን ቅድሚ ሎሚ ናብ ኢትዮጵያ ተጓዒዞም ምስ ቀዳማይ ሚንስተር ኣቢይ ኣሕመድ ከምዝተራኸቡን ገሊጾም ኣለዉ። እቶም ምስክራት ዝሃብዎ ናይ ምስክርነት ቃልን ዝሃብዊ ምኽሪ ሓሳብን'ውን ሰሚዖም ኣለዉ።

ኣብ ባይቶ ኣሜሪካ ኣደ መንበር ንኡስ ኮሚቴ ወጻእን ኣፍሪቃ ካረን ባስን ፣ ካብ ኒው ጀርሲ ዝተወከለ ክሪስ ስሚዝን ኣብ ክልል ትግራይ ብዛዕባ ዝካየድ ግጭት ቃለ-ምስክርነት ኣብ ዝሰምዕሉ እዋን፥ ናይ ባዕላቶም መረዳእታ ዝበልዎ`ውን ኣቕሪቦም ኔሮም`ዮም። ካረን ባስ ከምዚ ክትብል ዘረባኣ ከፊታ ኔራ፥ "ንምስክራት ንምስማዕ ክንውስን ከለና ብዙሕ ሓሲብናሉ ኢና።ብዋናነት ግን ምስክራት ናይ ምስማዕ ተግባር ኣብ ወጻኢ ብዝነብሩ ኢትዮጵያውያን ድፍኢት ዝተገብረ'ዩ። ሓደ ሓደ ግዜ ምስክራት ንምስማዕ ምውሳን ይኸብደና'ዩ።ምኽንያቱ ንዕኡ ክንገብር ከለና ሰባት ንሓደ ወገን ክንውክል ይደልዩና ።ኣብዚ ኣብ ባይቶ ኣሜሪካ ግን ከምኡ ኣይሰርሕን'ዩ።

ስለዚ ናይ ሎሚ መስርሕ ምስማዕ ምስክራት፥ውጽኢታዊ ኮይኑ ክትረኽብዎን ኢትዮጵያ ሰላማን ሓድነታትን ክትረክብ ኣብ ምሕጋዝ፡ኣሜሪካ ጠቓሚ ተራ ንክህልዋ ከም እንደሊ ክትርድኡ ተስፋ እገብር።ብተወሳኺ እዚ ቃለ ምስክርነት ኮነ ዝመሓላለፍ ውሳነ ሓደ ስጉምቲ ንቕድሚት'ምበር ናይ መወዳእታ ኣይኮነን።"

ኮንግረስማን ክሪስ ስሚዝ ብወገኑ፥ ኢትዮጵያ ግጭት : ምፍንቓል ከምኡ`ውን ወራር ኣንበጣን ወሲኽካ ተደጋጋሚ ጸገማት ዝርእየት ሃገር ምዃና ድሕሪ ምጥቃስ፥ ግን ከኣ ኢትዮጵያ ዓባይን ኣገዳሲትን ሃገር ምዃና`ውን መስኪሩ፥ "ኢትዮጵያ ንህዝቢ ኢትዮጵያ ጥራይ ዘይኮነትስ ንምሉእ ቀርኒ ኣፍሪቃን ብሓፈሽኡ ንኣፍሪቃን ኣዝዩ ጠቓሚትን ኣገዳሲትን ሃገር'ያ።ነዚ ናይ ጎንጽን ህውከትን ዓመት ብዓወት ተሳጊራ፡: ናብቲ ዝስዕብ ኣብነታ ክትምለስ ኣለዋ።"

ኮንግረስማን ክሪስ ስሚዝ ነዛ ዓባይ ሃገር፥ ሰላም ኣዝዩ ኣገዳሲ ምዃኑ`ውን ጠቒሱ`ዩ።

ቃለ ምስክርነቶም ካብ ዝሃቡ ሓንቲ ዋና ኣሰናዳኢት መጽሄት ኣዲስ ስታንዳርድ ጸዳለ ለማ፥ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት አጋጢሙ ዝበለቶ ጥሕሰት መሰላት ብምዝርዛር ፍጹም ገለልተኛ ብዝኾነ ኣካል ክጻረ ይግብኦ ኢላ።

"ክልተ ጫፍ ሒዙ ኣብ ዝተኻረረ ሕብረተሰብ፥ ናጻን ገለልተኛን ምጽራይ ክካየድ ዝኽእል፥ ብሕቡራት ሃገራት ሓላፍነት ተዋሂብዎ ዝቐውም ጉጅለ ጥራሕ'ዩ ኢለ'የ ዝኣምን።ብሕቡራት ሃገራት ስልጣን ካብ ዝውሃቦ መርማሪ ጉጅለ ወጻኢ ኣዝዩ ዝተኸፋፈለ ማሕበረሰብ ኢትዮጵያ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላትን ዓለምለኸ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ዝኾነ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ዝርከብዎም፥ ነዚ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝኾነ ተግባር ንፍጻም ብኻልእ ብዝኾነ ትካል እምነት የብሉን።"

ካልእ ቃለ-ምስክርነት ዝሃበ ድማ ኣብ ባይቶ ኣሜሪካ ቤት ምኽሪ ጉዳያት ኣፍሪቃ በዓል ሞያ ዝኾነት ሚስ ሎረን ፕሎክ ብላቸርድ ፥ ኣብ ዝሓለፈ 30 መዓልታት ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝተፈጸመ ኩነታት ብዝግባእ ንምርዳእ ክፍተት ኣሎ ኢላ።

"ሓበሬታ ዘይምህላው ብዝምልከት ተለፎንን ኢንተርነትን ኣብ ዝተቛረጸሉን ጋዜጠኛታት ኣብ ዝበዝሐ ክፋል'ቲ ክልል ክኣትዉ ኣብ ዘይከኣልሉ ኩነታት፥ ኣብኡ እንታይ ይካየድ ከምዘሎ ንምፍላጥ ብዙሕ ኣጸጊሙ'ሎ።ክንደይ ዝኸውን ሰብ ኣብ ውሽጢ ሃገር ከምዝተፈናቐለን ክንደይ ዝኸውን ሰብኣዊ ረድኤት ከምዘድሊ ዛጊት ብግልጺ ኣይፍለጥን'ዩ።ዝተፈላለዩ ሚድያታት ብኣሸሓት ከምዝተቐተሉ ይሕብሩ'ለዉ እንተኾነ ነቲ መጠን ጉድኣት ዘርኢ ዝእመን መረዳእታ የለን። ቀዳማይ ሚንስተር ኣብይ ኣሕመድ በቲ መንግስቲ ዝወሰዶ ስጉምቲ ዝተቐተለ ሰለማዊ ሰብ የለን ኢሉ'ሎ። ሓደ ሓደ ስደተኛታት ዝዛረብዎ ድማ ካብኡ ዝተፈለየ'ዩ።"

ኣብ ናይ ኣሜሪካ ኢንስቲቱት ሰላም ዳይሬክተር ፕሮግራም ኣፍሪቃ ሱዛን ስቲገንት ካልእ ምስክርነታ ዝሃበት በዓልቲ ሞያ`ያ። ንኩነታት ኢትዮጵያ ድሕሪ ምብራህ ንሰብኣዊ ቅልውላው ብዝምልከት ከምዚ ዝስዕብ ኢላ፥ "እቲ ግጭት ክጽወር ዘይኽእል ናይ ሰብኣዊ ኤኮኖሚን ውሕስነት መግብን ኢትዮጵያ ኣብቲ ዞባ ዘለዋ መሪሕ ተራ ጸገም የስዕብ ኣሎ።እዚ ድማ እቲ ለውጢ ዝኸደሉ ዘሎ መንገዲ ብዙሕ ሕቶታት ዘልዕልን ኣሜሪካ ንእተሰጉሞ ፖሊሲ ንክትፍትሽ ዝገብር'ዩ።"

ኣብ ፍሪደም ሃውስ ላዕላዋይ በዓል ሞያ ኣቶ ዮሴፍ ባድዋዛ ምስክርነቶም ካብ ዝሃቡ ሓደ ክኸውን ከሎ፡ ንሱ`ውን ብዛዕባ ኣብ ኢትዮጵያ ዝኽሰት ዘሎ ግጭታትን ጥሕሰት መሰላትን ኣረዲኡ።

ኣብ ዘቕረቦ ምኽሪ-ሓሳብ ድማ ክልላት ብሽም ፍሉይ ሓይሊ ዘቖምዎም ዕጡቓት ጉዳዮም ክሕሰበሉ ዝግባእ ምዃኑ መኺሩ።

ብኣጠቓላሊ ኣብቲ መስርሕ ምስማዕ ቃለምስክርነት ዝተላዕለ ጉዳይ፡ ግልጺ ዝኾነ መረዳእታ ይሃሉ፥ ከምኡ ድማ ኣብ ልዕሊ ሰባት ዝተፈጸሙ በደላት ብገለልተኛ ኣካል ይጻረ ዝብል`ዩ። ደሞክራትን ሪፓብሊካን ተወከልቲ ኣባላት ባይቶ ነቶም ኣርባዕተ ምስክራት ሕቶታት ሓቲቶም እቶም ምስክራት ድማ ናይ መብርሂ ሓሳቦም ሂቦም`ዮም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ።


XS
SM
MD
LG