ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ባይቶ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ንጉዳይ ምርጫ ዝምልከት ሕገመንግስታዊ ምምሕያሽ ኣካይዱ


ባይቶ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ንጉዳይ ምርጫ ዝምልከት ሕገመንግስታዊ ምምሕያሽ ኣካይዱ:: እቲ ቤት ምኽሪ ሎሚ ሓሙስ ህፁፅ ጉባኤ ብምክያድ ስርዓት ምርጫ እቲ ክልል "ተመዓዳዊ ሓንፈፅ ስርዓት ምርጫ" ክኸውን ወሲኑ::

እቲ ባይቶ ቁፅሪ ኣባላቱ ካብ 152 ናብ 190 ክዓቢ ድማ ወሲኑ:: ባይቶ ክልል ትግራይ ሎሚ ኣብ ዘካየዶ ሓምሻይ ዘመን ታሽዓይ ህፁፅ ጉባኤኡ ኣብ ምርጫ ጠመተ ዝገብር ንዓንቀጽ 48 ንኡስ ዓንቀፅ ክልተ ሕገመንግስቲ ትግራይ ኣመሓይሹ። ቅድሚ ሐዚ ኣብቲ ሕገ መንግስቲ ዝነበረ ስርዓት ምርጫ ኣብዝሓ ድምፂ ዝረኸበ ይብል ዝነብረ ናብ "ተመዓዳዊ ሓንፈፅ ስርዓት ምርጫ" ክመሓየሽ ተገይሩ::

ኣካቢ ቀዋሚ ኮሚቴ ሕግን ምምሕዳርን እቲ ቤት ምኽሪ ኣይተ ሞገስ ታፈረ እዚ ምምሕያሽ ኣቐዲሙ ኣብ 2009 ዘተ ተኻይዱን ተወሲኑ ዝነበረ እዩ ኢሎም:: ኣብቲ ክልል ዴሞክራሲ ንምዕሟቕን ኩሎም ብህዝቢ ዝወሃቡ ድምፅታት ድማ ዋጋ ክህልዎም ዝገብር ስርዓት ክብሉ ተዛሪቦም::ኣይተ ሞገስ ወሲኾም ሕገ መንግስቲ ክልል ትግራይ ንምምሕያሽ ብመሰረት እቲ ሕገ መንግስቲ ኣብቲ ክልል ዝርከባ 94 ወረዳታትን ከተማታትን ዘትየን ምስ ኣፅደቕኦ ናብ ቤት ምኽሪ እቲ ክልል ቀሪቡ ምፅዳቑ ሓቢሮም::

እቲ ቤት ምኽሪ እቲ ምምሕያሽ ሕገ መንግስቲ ብሙሉእ ድምፂ ድሕሪ ምፅዳቕ ኣዋጅ ምርጫን ስነ ምግባር ምርጫ እቲ ክልል እውን ኣመሓይሹ እዩ:: ብመሰረት እቲ ምምሕያሽ፡ ኣብ ትግራይ ቅድሚ ሐዚ ዝነበረ 152 በዝሒ ተወከልቲ ኣባላት ባይቶ እቲ ክልል ናብ 190 መናብር ክዓቢ ተገይሩ። እቲ 152 መናብር (80 ሚእታዊት) ብኣብዝሓ ድምፂ ብዝሰዓረ ፖለቲካዊ ውድብ ወይ ውልቀ ተወዳዳሪ ዝተሓዝ እዩ:: እቲ 38 መናብር (20 ሚእታዊት) ድማ፡ እቶም ተወዳደርቲ ፖለቲካዊ ውድባት ካብ ዝተፈላለዩ ጣብያታት ምርጫ ዝረኽብዎ ድምፂ ተኣኪቡ ከከምዝረኸብዎ ዝማቐልዎ ከም ዝኸውን ተገሊጹ። ነቲ 38 መናብር ንምምቓል፤ ውድባት ኣቐዲመን ኣብ ኮምሽን ምርጫ ሰባት ኣመዝጊበን ክፀንሓ እየን።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።



XS
SM
MD
LG