ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ባይቶ ማላዊ ክታበት ቫይረስኮሮና ዘይወሰዱ ኣባላቱ ይኽልክል


መራሒ ሰራዊት ማላዊ ቪንሰንት ኑንድወ ክታበት ቫይረስኮሮና ኣብ ዝወስደሉ ዝነበረ ዝተወስደ ምስሊ

ባይቶ ሃገረ ማላዊ፡ ንለበዳ ቫይረስ ኮሮና ንምግታእ፡ ዘይተኸትቡ ኣባላት ባይቶ’ታ ሃገር ናብ ህንጻ ቤተ-መንግስቲ ንምእታው ከም ዝኽልክሎም፡ ንወሃቢት-ቃል እቲ ባይቶ ብምጥቃስ ናይሳ ታይምስ ዝተባህለት ጋዜጣ’ታ ሃገር ኣብ ሕታማ ኣስፊራ።

መንግስቲ ማላዊ፡ ተመሳሳሊውሳነንኹላቶም ዜጋታቱ ኣብ ጥሪ 2022 ከሕልፍ ምዃኑ’ውን ተፈሊጡ ኣሎ።

ካብ ተቓዋሚ ሰልፊ ዝዀነ ቪክቶር ሙሶዋ፡ ንድምጺ ኣመሪካ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ባይቶ እታ ሃገር ንዝወሰዶ ስጕምቲ ከም ዝድግፎ ገሊጹ። እቲ ኣባል ባይቶ ወሲኹ ከም ዝገለጾ፡ ተመሳሳሊ ውሳነ ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ምሕላፍ ከጸግም ከም ዝኽእል ጠቒሱ: ዜጋታት ንመንግስቶም ክሰምዑን ዘይክሰምዑን መሰል ከም ዘለዎም ድማ ወሲኹ ይገልጽ። ኪንዮ ምስግዳድ፡ ንዜጋታቱ ክኽተቡ ከተባብዕን ብኣብነት ክመርሕን ምዃኑ ድማ ሓቢሩ።

ርእይቶታት ንምርኣይ

XS
SM
MD
LG