ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ባንክ ዓለም ንጫድ 105 ሚልዮን ዶላር ሓገዝ ክህብ’ዩ


ፋይል
ፋይል

ብሰንኪ ምምዝባዕ ክሊማ ዝፈጠሮ ተደራራቢ ባህርያዊ ሓደጋ እትሳቐ ዘላ ሃገረ ጫድ ንምሕሕዝ፡ ባንክ ዓለም ናይ 105 ሚልዮን ዶላር ሓገዝ ክህብ ምዃኑ ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ሓቢሩ።

ኣብ ጫድ ኣብ ውሽጢ 30 ዓመታት ዝኸፍአ ምዃኑ ዝተነግረሉ ብርቱዕ ውሕጅን ዝናብን ንኣስታት 2.1 ሚልዮን ዜጋታት እታ ሃገር ኣመዛቢሉ ከም ዘሎ እቲ ዜና ይጠቅስ። እዚ ብዓለማዊ ባንክ ዝወሃብ ዘሎ ሓገዝ እምበኣር ነቶም ኣስታት 600-ሽሕ፡ በቲ ባህርያዊ ሓደጋ ንዝተሃስዩ ወገናት ክውዕል ምዃኑ’ዩ። ከም ሓበሬታ ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ እቲ ሓገዝ ንሓረስቶትን ንኣሽቱ ትካላት ንግዲን ንምብርባር ዝዓለመ’ዩ።

XS
SM
MD
LG