ናይ ኤውሮጳዊ ሕብረት ማእከላይ ባንክ፡ ዛጊት ዝዓበየ ምዃኑ ዝተሓበረ ናይ ሰለስተ ርብዒ ወሰኽ ወለድ ምግባሩ ኣገልግሎት ዜና ኣሶሴይትድ ፕረስ ሓቢሩ። እዚ ኣብ ታሪኽ ዩሮ ዝዓበየ ምዃኑ ዝተመዝገበ፡ ሎሚ ሓሙስ ዝተኣወጀ ወሰኽ ወለድ፡ ነቲ እናዓበየ ዝመጽእ ዘሎ ዝቕባበ ኤውሮጳ ንምግታእ ምዃኑ ሓገግቲ ኣካል እቲ ማእከላይ ባንክ ይገልጹ።
ማእከላይ ባንክ ኤውሮጳ ኣቐዲሙ ብሰንኪ ለበዳ ኮቪድ19 ንዝተራእየ ዝሓታለ ንምግጣም ወሰኽ ወለድ ገይሩ ምንባሩ ይፈልጥ። ሕጂ ድማ ምስ ፍጥነት እቲ ዝኸይድ ዘሎ ዝቕበበ እቲ ገይሩዎ ዘሎ ወሰኽ ክጸድቕ ከም ዝወሰነ ፕረዚደንት እቲ ባንክ ክርስቲን ላጋርድ ንጋዜጠኛታት ኣብሪሃ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ኣብቲ ምስ ተኽእሎ ቍጠባዊ ዝቕባበ እትቃለስ ዘላ ኣመሪካ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ ኣዋርሕ ቍጠባ እታ ሃገር ብ2.6 ሚእታዊት ምዕባዩ ኣገልግሎት ዜና ኣሶሴይትድ ፕረስ ጸብጺቡ። እዚ ካብ ወርሓት ሓምለ ክሳብ መስከረም ተመዝጊቡ ዘሎ ዕብየት፡ ካብቲ ኣከታቲሉ ከንቈልቍል ዝጸንሐ ቍጠባ እታ ሃገር ዓቢ ተስፋ ምዃኑ ክፍሊ ንግዲ ኣመሪካ ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ ኣፍሊጡ።
እቲ ክፍሊ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ምኽንያት ናይዚ ንእሽቶ ተስፋ፡ ዕብየት ሰደድን ምኽፋት ሓደስቲ ስራሓትን ምዃኑ የመልክት። እንተዀነ፡ እቲ ክፍሊን ካልእ ቤት ጽሕፈት ፈደራላዊ ዕቃበ ኣብ ዝሃቡዎ ግምታት ግን ቍጠባ ኣመሪካ ትስፉዎ ዘሎ ኣይመስልን። ነቲ ዝኸይድ ዘሎ ዝቕባበ ንምግጣም ፈደራል ረዘርቭ ኣብ ውሽጢ ዓመት ጥራይ ሓሙሽተ እዋን ናይ ወለድ ወሰኽ ምግባሩ ይፍለጥ።