ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ባንክታትን ወታሃደራዊ ኣዘዝቲ ኬንያ ኣብ ምጥፍፋእ ገንዘብ ሰብ ስልጣን ደቡብ ሱዳን ይክሰሱ


ሓድሽ ዝወጸ ናይ መርመራ ሰናዲ ፊልም ባንክታት ኬንያ ንብልሽዋት ሰበ ስልጣን ደቡብ ሱዳን ገንዘብ ምስግጋሮም የቓልዕ። ነዚ ስዒቡ ዝሓለፈ ሰሙን ካብ ኹናት መክሰብ ንምርካብ ዝኻየዱ ንጥፈታት ዝቓወሙ ሰልፍታት ኣብ ጎደናታት ዋና ከተማ ኬንያ ናይሮቢ ተኻይዶም።

ኣብቲ ዝሓለፈ ሰሙን ሓሙስ ኣብ ከተማ ናይሮቢ ዝተኻየደ ሰልፊ ሰበ ስልጣን ኬንያ ንብረት ናይ ብልሽዋት ሰበ ስልጣን ደቡብ ሱዳን ከደስክሉን ነቶም ናብዞም ሰበ ስልጣን ገንዘብ ዘመሓላልፋ ባንክታት ኬንያ እገዳ ከንብሩ ጸዊዖም።

ዳንኤል ዮ ደንግ ደቡብ ሱዳናዊ ኣክትቪስት’ዩ ኣብ ኹናት ሓድሕድ ሱዳን ኣእጋሩ ሰንኪሉ ኣብዚ ሕጂ እዋን ብዊልቸር( ናይ አካለ ጉዱኣት ዓረብያ) ይንቀሳቀስ። ንሱ ኣብቲ ሰልፊ ከተማ ናይሮቢ ተረኺቡ ንድምጺ ኣሜሪካ ከምዚ ክብል ቃሉ ሂቡ።

“ እዞም ሰባት ብዙሕ ነገራት ወሲዶም እዮም ግን ኸአ ዋላ ሓደ ነገር ክሰርሑ ኣይተራእዩን። ሓደ ዝወሰድዎ ስጉምቲ እንተሎ ሰላማዊ ሰብ ምቕታል እዩ። ስለዚ ብናይ ኬንያ ሲቪል ማሕበረሰብ ዝተዋህበ’ዚ ስጉምቲ ክትግበር ብሓባር ደው ክንብል ኣለና። ድልየትና እዚ ገንዘብ ክድስክል’ዩ።”

እቲ ተቓውሞ ዝተላዕለ “ the Profiteers” ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ኬንያ ዝመደበሩ ትካል ብሰለስተ ክፋል ኣብ ዩቱብ ብዝሰርግሖ ሰናዲ ፊልም እዩ።

እቲ ሰናዲ ፊልም ላዕለዎት ሰበ ስልጣን ደቡብ ሱዳን ንባንክታት ኬንያ ገንዘብ ንምስራቅን ንምትሕልላትፍ ብምጥቓም ንኹናት ከምዘውዕልዎን ወታሃደራት ኬንያ ድማ ሓለዋ ከምዝገብርሎም የቓልዕ።

ኣብቲ ናይ ምርመራ ሰናዲ ፊልም ካብ ዝተሳተፉ ጋዜጠኛ ጆን ኣለን ናሙ “ ምስ ደቡብ ሱዳን ኣወንታዊ ሕሉፍ እዩ ዘለና። ይኹን ደአ እምበር ገለ ወነንቲ ንግዲን ፖለቲከኛታትን ነቲ ግጭት ንጠቕሞም ክቕይሩን ምስቶም ካብቲ ህዝቢ ገንዘብ ዝሰርቁ ፖለቲከኛታት ምጽጋዕ ወፍሪ ከካይዱ ይረአዩ እዮም።”

እቲ ሰናዲ ፊልም ኣብዚ ሰሙን’ዚ ኣብ ትያትራት ከተማ ናይሮቢ ከምዝረአይ ተፈሊጡ’ሎ።

ወታሃደራዊ ሰበ ስልጣን ኬንያ ነቲ ዝቐረበሎም ክስታት መልሲ ኣይሃቡን።

ማሕበር ባንክታት ኬንያ ግን ነቲ ኣብቲ ተቓውሞ ዝተላዕለ ጉዳይ ኣፍልጦ እንተሃቡ’ኳ ብዛዕባ’ቲ ናብ ሰበ ስልጣን ደቡብ ሱዳን ዝካየድ ምስግጋር ገንዘብ ግን ኣወንታዊ ኮነ ኣሉታዊ መልሲ ኣይሃቡን።

XS
SM
MD
LG