ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ባርኪናፋሶ ኣብ ተደደጋጋሚ ዕልዋ መንግስቲ


ኣብ ወርሒ ጥሪ ብወተሃደራዊ ዕልዋ መንግስቲ ዝገልበጠ ሌተልናል ኮለነል ፖል ሀንሪ ዳሚባ፡ ንሱ’ውን ብተመሳሳሊ ብካፒተን ኢብራሂም ትራዎረ ዝምራሕ ጕጅለ ተዓልዩ ካብታ ሃገር ክወጽእ ተገዲዱ ኣሎ። ኣብታ ብእስላማዊ ጥሩፍነት እትሳቐ ዘላ ምዕራብ ኣፍሪቃዊት ሃገር፡ ህዝባዊ ርእይቶ ኣብ መንጎ ደገፍ ንሩስያን ፈረንሳን ተመቓቒሉ ኣሎ።

ብዓርቢ መንግስቲ ምቍጽጻሮም ብመገዲ ቴለቪዥን እታ ሃገር ዝገለጹ ጕጅለ፡ ኣብታ ሃገር ሰዓት እቶ-እቶ ብምእዋጅ፡ ዶባት’ውን ዕጹው ምህላዉ ኣመልኪቶም።

ነቲ ጕጅለ ዝመርሕ ዘሎ ካፒተን ኢብራሂም ትራዎረ ወዲ 33 ዓመት ምዃኑ ተፈሊጡ ኣሎ።

እቶም ስልጣን ምሓዞም ዝነገሩ ጕጅለ፡ ብዛዕባ ምስግጋር ስልጣንን ምምሕዳርን ተወሳኺ ሓበሬታ ክህቡ ምዃኖም ሓቢሮም።

ካብ ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ቅድሚ ቍሩብ መዓልታት ዝተመልሰን ነታ ሃገር ክመርሕ ዝጸንሐ ኮነሬል ዳሚባ፡ ካብታ ሃገር ወጺኡ ቶጎ ምእታዉ ኣገልግሎት ዜና ኣሶሽትድ ፕረስ ኣመልኪቱ።

ኣብታ ሃገር ጣልቃ ብምእታው ቀንዲ ዝኽሰሳ ሩስያን ፈረንሳን’የን። መንግስቲ ሩስያ ብመገዲ ወሃብ-ቃል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር ኣቢሉ ሎሚ ሰኑይ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኣብታ ሃገር ሰላም ክሰፍንን ጸጥታ ክረጋገጽን ጸዊዑ ኣሎ።

ብሰንበት ናብ ቶጎ ምእታዉ ዝተሓበረ ኮለነል ዳሚባ፡ ካብታ ሃገር ብሰላም ዝወጽአ፡ ምፍሳስ ደም ንምውጋድ ምዃኑ ብመገዲ ኤኮዋስ ኣብ ዝወጸ ጽሑፍ ተመልኪቱ ኣሎ። ኣገልግሎት ዜና ኣሶሴይትድ ፕረስ ከም ዝጠቕሶ፡ ኣብ መንጎ ስልጣን ዝሓዘ ጕጅለን ካብ መሪሕነቱ ዝተኣልየን ብዝተገብረ ስምምዕ፡ ብዘይ ዝዀነ ጎንጺ ካብታ ሃገር ንምውጻእ ተሰማሚዖም።

ንምዕራብ ኣፍሪቃ ቁጠባዊ ኪዳን ኤኮዋስ፡ ኣብታ ሃገር ርግኣት ክሰፍን ጸዊዑ ኣሎ። ብፕረዚደንት ኒጀር ነበር ማማዱ ኢሰፎ ዝምራሕ ልኡኽ ኣብታ ሃገር ዘሎ ምዕባለታት ንምምርማር ሎሚ ሰኑይ ክኣቱ መደብ ተታሒዙ ኣሎ። ኤኮዋስ ብሰንኪ’ቲ ዝተፈጸመ ዕልዋ መንግስቲ ነታ ሃገር ካብ ኣባልነቱ ኣልዩዋ ኣሎ።

ኣቐዲሙ ብዝተናፈሰ ወረ፡ ካብ መዝነቱ ዝተዓልወ ኮለነል ዳሚባ ኣብ ኤምባሲ ፈረንሳ ተዓቚቡ ኣሎ ዝብል’ዩ ነይሩ። ብሰንኩን ኣብታ ሃገር ኣንጻር ፈረንሳ ብዘሎ ሰፊሕ ህዝባዊ ተቓውሞን፡ ደገፍቲ እቲ ሓድሽ መሪሕነት ንኤምባሲ ፈረንሳ ከጥቅዑ ተራእዮም። ንሳቶም ከም ዝብሉዎ ፈረንሳ ነቲ ዘሎ ቅልውላው ኣብ ምግዳድ ዓቢ ተራ ተጻዊታ’ያ። ሓለዋ ኤምባሲ ፈረንሳ ነቲ ዝመጽኦም ዝነበረ ዳርባ እምኒን ካልእ መጥቃዕቲ ካብ ማዕዶ ብተተኮስቲ ክከላኸሉ ኣብቲ ብሰፊሑ ዝዝወር ዝነበረ ምስልታት የርኢ።

መሪሕነት ኮሎነል ዳሚባ ምስ ፈረንሳ ብዝነበሮ ምድንጋጽ ብሓያሎ ወገናት ክንቀፍ ጸኒሑ’ዩ።

ፈረንሳ ኣብቲ ጉዳይ ኢድ ከም ዘይብላ ኣመልኪታ ኣላ።

ኣብታ ሃገር ኣንጻር ፈረንሳ ዘሎ ህዝባዊ ስምዒት ዓቢ ምዃኑ ርዱእ ኰይኑ ኣሎ። በዚ ምኽንያት ከኣ’ዩ ሕጂ ስልጣን ምሓዙ ዝሕብር ዘሎ ጕጅለ ሓገዝ ካብ ሩስያ ዝጽበ ዘሎ። ደገፍቲ ካፒተን ትራዎረ’ውን ባንዴር ሩስያ ሒዞም ኣብቲ ከተማ ክዛወሩ ብሰፊሑ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝተዘርግሐ ምስልታት የርኢ።

ኣብታ ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ኻልኣይ ዕልዋ መንግስቲ ተኣንግድ ዘላ ባርኪናፋሶ፡ ብጥሩፍ እስላማዊ ጕጅለ ክትጥቃዕ ጸኒሓን ኣላን። ብሰንኪ’ቲ ጥሩፍ ጉጅለ ኣሽሓት ዜጋታት ክሞቱ እንከለዉ፡ ኣስታት ክልተ ሚልዮን ዝዀኑ ድማ መንበሪኦም ገዲፎም ተሰዲዶም።

ኣቐዲሙ፡ ኣንጻር’ቲ እቲ ጕጅለ ተሪር ስጕምቲ ክወስድ ምዃኑ መብጽዓ ዝኣተወ ኮለነል ዳሚባ ግን ቃሉ ኣይፈጸመን። እኳ ደኣ እቲ ዕጡቕ ጕጅለ ሓይሉ ንዝገደደ ጭውያን ምቕታልን ቀጺሉ። ዝሓለፈ ሰሙን ብመጥቃዕቲ እቲ እስላማዊ ጕጅለ 11 ወታሃደራት ተቐቲሎም 50 ሲቪላውያን ሰባት ድማ ተጨውዮም። ብዓርቢ ምትሓዝ ስልጣን ዝኣወጀ ጃፒተን ትራዎረ፡ ከኣ ኮሎነል ዳሚባ ድሕነት ዜጋታት ክሕሉ ዘይምኽኣሉ ካብ ስልጣኑ ካብ ዝተኣልየ ሓቢሩ።

XS
SM
MD
LG