ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

በርኪናፋሶ: ንግዳያት መጥቃዕቲ ግብረ-ሽበራ ዝሕግዝ ተበግሶ


ቀዳም 21 ነሓሰ፡ ኣህጉራዊ መዓልቲ ዝኽሪ ንግዳያት ግብረ-ሽበራ’ዩ። ሕማቕ ኣጋጣሚ ኰይኑ ከኣ እዛ መዓልቲ ኣብ ህይወት እቶም ምስ ጥሩፍ እስላማዊ ጕጅለ ዝዋጋኡ ዘለዉ በርኪናውያን ዓቢ ኣገዳስነት ኣለዋ። ጎ ፓጋ ዝተባህለ ዘይመኽሰባዊ ትካል ከኣ ንስድራቤት ግዳያት ግብረ-ሽበራ ክሕግዝ ዝፍትን’ዩ።

ብሰንኪ’ቲ ኣብ 2015 ዝጀመረ ኲናት፡ 1.3 ሚልዮን በርኪናውያን ካብ መንበሪኦም ክመዛበሉ እንከለዉ፡ ልዕሊ 6-ሽሕ ከኣ ተቐቲሎም። ብዙሓት ኣባላት ምክልኻል በርኪናፋሶ ኣብቲ ምስ ኣልቓዒዳን ዳዕሽን ምትእስሳር ዘለዎ ጉጅለ ኣብ ዝተኻየደ ኲናት ተቐቲሎም’ዮም።

ሎሬታ ኢልቦዱ በዓል ቤታ ኣብቲ ኲናት ዝኸፈለት ዜጋ’ያ።

ኣብ 2019 ድሮ በዓል ልደት ኤውሮጳ፡ ነቲ በዓል ዝኸውን ምቅርራብ እናገበረት፡ ብንግሆኡ ኣዝማድ ሰብኣያ ንገዛኣ ከም ዝመጹ ትሕብር። ክሳብ ቅድሚኡ ምሸት ግን ብዛዕባ ሞቱ ኣይሰምዐትን ነይራ። ጥርጣረታት ደኣ ይጽንሓያ እምበር ንሞትስ ኣይሃበቶን።

በዓል ቤታ ብኣሽበርቲ ኣብ ዝተገብረ መጥቃዕቲ’ዩ ኣብ ከተማ ኣርቢና ተቐቲሉ። ኣብቲ እዋን፡ ጓሎም ገና ቍሩብ ኣዋርሕ ጥራይ’ያ ገይራ ነይራ።

ሕያዋይን ፈቃርን ግን ከኣ ሓፋር’ሞ ኣዝዩ ዕቱብ ሰብ ምንባሩ፡ ሎሬታ ብዛዕባ ዝተቐትለ በዓል-ቤታ ትዛረብ።

ዘይመኽሰባዊ ትካል ጎ ፓጋ እምበኣር ንኸም በዓል ሎሬታ ዝኣመሰላ፡ ኣብ ኲናት ኣንጻር ግብረ-ሽበራ መቕርብ ዝሰኣና ዝሕግዝ ትካል’ዩ።

ኣካያዲት እቲ ብለካቲት ዝተመስረተ ትካል፡ ፋዲማ ካምቦ ንኣገዳስነቱ ኣመልኪታ፡“እቲ መደብ ዓሳ ምቕራብ ዘይኰነስ ኣገባብ ኣጋፍፋ ኢዩ ዝምህር። ንኣደታት ኣሐዪሉ ድማ ነብሰን ስድራአን ክኣልያ ይሕግዝ። እቲ ዕላማ ኣብታ ሃገር ንግዳያት ግብረ-ሽበራ ዝሕግዝ ናይ ድጋፍ ኣሃዱ ምቛም’ዩ።”ትብል ፋዲማ ካምቦ።

ኣብ ሕቡራት ሃገራት ሓላፊት ምክትታል ምውሓስ መሰላት ግዳያት ግብረ-ሽበራ ዝዀነት ፋኒዮሎኒ ኤለን፡ ንቤተ-ሰብ ግዳያት ግብረ-ሽበራ ብዙሕ ጸጋማት ከም ዝጎንፎም ትዛረብ።

“ድሕሪ መጥቃዕቲ ሽበራ፡ ብዙሕ ናይ ድጋፍን ምጽንናዕን መልእኽቲ ንቕበል ኢና። እዚ ኣብ ልዕሊ ግዳያት፡ ብሕልፊ ድማ ሰብኡተን ዝሰኣና ኣንስቲ ዘሎ ሓልዮት ዘርእየና ደኣ ይዅን እምበር፡ ጭቡጥን ተግባራዊን ኣገባባት ክንፈጥር ኣድላዪ’ዩ።”

ብሓገዝ ትካል ጎ ፓጋ፡ ኣብ ትካል ኢንሹራንስ ከም ተልሜን ትሰርሕ ዘላ ሎሬታ፡ ኣብቲ ትካል ብምሉእ ግዜ ተቖጺራ ነብሳን ጓላን ክትክእል ትትስፎ።

ካብ መስከረም ኣትሒዙ ዘይመኽሰባዊ ትካል ጎ ፓጋ ሰብኡተን ኣብ ውትህድርና ንዝተቐትሉ ኣንስቲ ብፍሉይ ዓሊሙ መደባት ክሰርዕ ምዃኑ የመልክት።

XS
SM
MD
LG