ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ባልደርስ ንሓቀኛ ዲሞክራሲ ኣብ ማእሰርቲ ዝርከቡ አባላቱ ንምርጫ ክወዳደሩ ዘቕረቦ መጎተ ምዕዋቱ ተገሊጹ


ባልደራስ ሓቀኛ ንዴሞክራሲ ፓርቲ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝርከቡ ኣርባዕተ ኣባላት መሪሕነቱን ንምርጫ ክወዳደሩ ብሕፀ ንምምዝጋብ ዘቕረቦም መጎተ ምዕዋቱ ተሓቢሩ።

ናይቲ ፓርቲ መራሒ እስክንድር ነጋ ሓዊሱ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝርከቡ ሕፁያት ንምርጫ ንምምዝጋብ ከምዘይክኣል ቦርድ ምርጫ ዝወሰኖ ውሳነ ብምቅዋም እቲ ፓርቲ ነቲ ጉዳይ ናብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ወሲዱዎ ከምዝነበረን ታሕተዋይ ቤት ፍርዲ ክምዝገቡ ኣይኽእሉን ክብል ብኣፈላላይ ውሳነ ኣሒሊፉ ነይሩ።

እቲ ፓርቲ ነቲ ጉዳይ ናብ ላዕለዋይ ሰማዒ ይግባይ ብምውሳድ ኣባላቱ ኣብቲ ምርጫ ክወዳደሩ ይኽእሉ እዮም ክብል ምውሳኑ ተገሊጹ'ሎ።

XS
SM
MD
LG