ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ባህር ዳር፡ ካብ ቤንሻንጉል ጉምዝ ዝተመዛበሉ ዜጋታት ሓገዝ መንግስቲ ኣይረኸብናን ክብሉ ቕሬታኦም ይገልጹ


ካብ ክልል ቤንሻንጉል ጉሙዝ ተመዛቢሎም ኣብ ከተማ ባህር ዳር ዝርከቡ 500 ተመዛበልቲ ካብ ክልል ኣምሓራ ዝኾነ ይኹን ሓገዝ ኣይረኸብናን ክብሉ ቅሬትኦም ገሊፆም።

ክልል ኣምሓራ ብወገኑ እቶም ተመዛበልቲ ናብ ትውልዲ ከባቢኦም ንምውሳድ መጎዓዚያ እንተቕረበ እውን እቶም ተመዛበልቲ ንምኻድ ፍቓደኛታት ኣይኮኑን ኢሉ ።

500 ዝኾኑ ካብ ክልል ቤንሻንጉል ጉሙዝ፣ዞባ ካማሼ ወረዳ ያሶ ተመዛቢሎም ኣብ ከተማ ባህር ዳር ዝርከቡ ዜጋታት ኣብ ልዕሌና ብዝተፈፀመ ብሄር ተኮር መጥቓዕቲ ሃብትና፣ንብረትናን መነባብሮናን ራሕሪሕና ሃዲሙና ይብሉ ።

ኣብ ልዕሌና ዝተፈፀመ ግፍዒ ብናይቲ ወረዳ ሰበስልጣን እዩ ይብሉ።ሓንቲ ካብኣቶም በዓል ቤታ ብዘስካሕክሕ ኣገባብ ከምዝተቐትለ ትዛረብ።

መንእሰይ ብርሃኑ ጌታቸው ብወገኑ ንብረትና ራሕሪሕና እንተወፃእና እውን እናስዓቡ ቐቲሎምናን ኣቑሲሎምናን ይብል ።

“እዚ ሕብረተሰብ 10፣15 ሄክታር ኣፍርዩ እዩ።ንሕና ሓረስቶት ኢና።ነጋዶን በዓል ሃብትን እውን ኣለው።ነጋዶን ሰብሃብትን ንብረቶም ተዘሪፉ።8 መስከረም ረብሻ ጀሚሩ፣16 መስከረም ክልተ ኣባላት ምምሕዳር ቤንሻንጉል ተቐቲሎም ብዝብል ምቕታል ጀሚሮም።እቲ ምቕታል ክሳብ ሎሚ ደው ኣይበለን።”

እቶም ተመዛበልቲ ኣብ ከተማ ባህርዳር ኣብ ክልተ ቦታ ተዒቒቦም ከምዝርከቡ ሓገዝ ከምዘይግበረሎምን ይዛረቡ።ኣብ ማእኸል መዘናግዒ መናእሰይ ዝተዓቖበት ኣደ ክልተ ቆልዑ ስንታየሁ ጋሻው ኣብ ሜዳ ተሰጢሕና ንውዕል ትብል።

“ኣብ በረንዳ ወዲቕና ኢና ንውዕል።ምሸት ስዓት ሰለስተ ኣቲና ስዓት 11 ንጉሆ ንወፅእ።ቆልዑ ይኹን ኩሉ ሰብ ብሕማም ተለኺፉ’ሎ።ንሕና መንግስቲ፤ክቕበለና እዩ፤ሃገርና እዩ ኢልና መፂእና፤ግን ተቐባሊ የብልናን።”

ሓሙሽተ ኣባላት ስድርኡ ብሞት ዝስኣነን ሃብትን ንብረቱን ራሕሪሑ ዝመፀን መንእሰይ ናይቲ ከባቢ ሕብረተሰብ እናዋፅአ ካብ ዘምፅኦ መግቢ እምበር መንግስቲ ዝኾነ ይኹን ሓገዝ ኣይገበረልናን ይብል።

ካብቶም ተመዛበልቲ ጥኑሳት፣ደቂ ኣንስትዮ፣ህፃናትን ከምኡ እውን ብጥይት ዝቖሰሉን ይርከቡዎም።ብዛዕባ እዚ ዝተሓተቱ ኣብ ክልል ኣምሓራ ምክልኻል ሓደጋን ፕሮግራም ውሕስነት መግብን ዳይሬክቶረት ዳይሬክተር ቅድመ መጠንቀቕታን ምላሽን ኣቶ ጀምበሩ ደሴ ከምዚ ይብሉ።

“ናብ ከባቢኹም ኪዱ’ሞ ሓገዝ ዕለታዊ መግቢ ክነቕርበልኩም ኢና ኢልናዮም።ንሓደ ሰብ ንወርሒ 15 ኪሎ ግራም ስርናይ ነቕርብ ኢና።እዚ ብደረጃ ሃገር ዝወፀ መዐቀኒ እዩ።”

ንሶም ብተወሳኺ እቶም ተመዛበልቲ ግን ነዚ ኣይንቕበልን ኢሎም ይብሉ።ካብ ዝሓለፈ ሚያዚያ ጀሚሩ ካብ ክልላት ኦሮሚያን ቤንሻንጉል ጉምዝን ተመዛቢሎም ናብ ክልል ኣምሓራ ዝመፁ ልዕሊ 29 ሽሕ ተመዛበልቲ ይርከቡ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG