ኣስመራ —
ቤት መግቢ ሰላም ምጽዋዕ፡ ብእተዳልዎ ባህላዊ መግቢ ዓሳ ‘ሞፋ’ እትልለ ቤት መግቢ’ያ። ካብ ዝተመስረተትሉ 1930ታት ጀሚራ ን90 ዓመታት ኣብ ስድራ-ቤት እንዳተሰጋገረትት ንሰለስተ ወለዶ ኣገልግሎት ኣብ ምሃብ ከምትርከብ ወናኒኣ ኣቶ ማሕሙድ ኣቡበከር ንድምጺ ኣመሪካ ተዛሪቦም።
እዛ ብስድራ-ቤት እትካየድ ቤት መግቢ ዝተፈላለዩ ናይ ቀይሕ ባሕሪ ዓሳታት ብዘይ ዘይቲ (ቅብኣት) ብፍሉይ ዓይነት ዕንጸይቲ ብምጥባስ ንተገልገልቲ ከም እትቕርብ ኣቶ ማሕሙድ ይዛረቡ።