ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቢንያም ግርማይ ኣብ ሳልሳይ መድረኽ ዙር ቲረኖ ኣድሪያትኮ ሳልሳይ ወጺኡ


ኣባል ቤልጁማዊት ክለብ ኢንተርማሸ ዝዀነ ኤርትራዊ ተቐዳዳሚ ብሽክለታ ቢንያም ግርማይ ሎሚ ኣብ ዝተኻየደ፡ ሓያሎ ስሙያት ተቐዳደምቲ ዓለም ዝሓቘፈ ውድድር፡ ሳልሳይ መድረኽ ዙር ቲረኖ ኣድሪያትኮ (Tirreno-Adriatico) ሳልሳይ ኰይኑ ፈጺሙ። ቢንያም ኣብ ናይ ትማሊ ዙር’ውን ኣብ መወዳእታ 10 ኪሎ-ሜተር ጎማ ነፊሱዎ ክንሱ ራብዓይ ወጺኡ። ኣብዚ ናይ ሎሚ 216 ኪሎ-ሜተር ዝሸፈነ ውድድር፡ ቀዳማይ ጃስፐር ፉሊፕሰን ክወጽእ እንከሎ፡ ፊል ባሁስ ድማ ሳልሳይ ኰይኑ ወዲኡ ኣሎ።

ኣብ 1966 ዝጀመረ ውድድር ዙር ቲረኖ፡ ሓያሎ ክለባት ናብ ቅድሚ ዙር ኢጣልያ ምእታወን ተጻወትተን ዝመዝናሉ ዓቢ ውድድር ምዃኑ’ዩ። ዙር ቲረኖ ኣድሪያትኮ ብዓለማዊ ፈደረሽን ቅድድም ብሽክለታ ኣብ ቅድሚት ካብ ዝስርዑ--ብቛንቋ ብሽክለታ ውድድር “ዎርልድ ቱር” ዝስመ ናይ ኤሊት ደቂ-ተባዕትዮ--ሓያል ውድድር’ዩ።

እዚ ውድድር ንሸውዓተ መድረኻት ዝሓቍፍ’ዩ።

XS
SM
MD
LG