ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቢንያም ግርማይ ንቀዳማይ መድረኽ ዙር ቮላታ ቫልንሺያና ተዓዊትሉ


ሎሚ ኣብ ዝተኻየደ ቀዳማይ መድረኽ ዙር ቮላታ ኣ ላ ኮሚንታት ቫለንሺያና (Volta a la Comunitat Valenciana) ኣባል ጋንታ ኢንተርማሸ ዝዀነ ኤርትራዊ ቢንያም ግርማይ ቀዳማይ ኰይኑ ውድድሩ ዛዚሙ ኣሎ።

እዚ ኣብ ከተማ ኣልተ ዝተኻየደ ቀዳማይ ዙር፡ ሆለንዳዊ ኦልቫ ኩጅ ካልኣይ ክኸውን እንከሎ፡ ስጳኛዊ ኢቫን ጋርሺያ ኮርቲና ሳልሳይ ወጺኡ ኣሎ።

እዚ ናይ ሎሚ ውድድር 189 ኪሎ ሜተር ዝሽፍን’ዩ ነይሩ።

ቢንያም መወዳእታ ሕንጻጽ ንምርኣይ ተጸጊሙ ምንባሩ ይርአ ነይሩ። ኣብ መወዳእታ ግን በቲ መለልዪኡ ዝዀነ ቅጽበታዊ ቅድድም መስመር ዓወት ረጊጹ።

ንቕጽበታዊ ውድድር ብቐጥታ ዝከታተል ዝነበረ ጋዜጠኛ፡ ኣብ እዋን መዛዘሚ ሕንጻጽ ቢንያ መጥቃዕቲ ምስ ፈነወ፡ “ቢንያም ኣብ ዘለወሉ ካልእ ክዕወት ዘይሕሰብ’ዩ፡” ክብል ንዓወት ቢንያም ዘለዎ ኣድናቖት ገሊጹ። “ኣብ ካልእ ፕላኔት’ዩ ዘሎ፡” ወሲኹ እቲ ጋዜጠኛ ስፖርት ንቢንያም።

ቢንያም ድሕሪ ዓወቱ “ነዚ ውድድርን ዓወት’ዚን ንወርሒ’የ ተጸብየዮም፡ በዚ ዘመዝገብኩዎ ውጽኢት ድማ ኣዝየ ዕጉብ’የ” ኢሉ። ነቶም ኣብዚ ዓወት ወሳኒ ተራ ዝተጻወቱ ደቂ ጋንታኡ ድማ ኣመስጊኑ።

ቢንያምን ጋንታኡን ነዚ ሎሚ ዝፈለመ ውድድር ይመርሑ ኣለዉ። ጽባሕ ሓሙስ 178 ኪሎ ሜተር ዝሽፍን ውድድር ክህሉ’ዩ። እዚ ውድድር ሓሙሽተ መድረኻት ክህሉዎ'ዩ።

XS
SM
MD
LG