ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቢል ጌትስ ትካሎም ኣብ ኣፍሪቃ ንምምሕያሽ ጥዕና:ጾታዊ ማዕርነትን ሕርሻን 7 ቢልዮን ዶላር ከምዝህብ ኣፍሊጦም


ቢል ጌትስ (ፋይል)
ቢል ጌትስ (ፋይል)

ኣብ ኬንያ ዑደት ዘካየዱ ቢል ጌትስ ትካሎም ጥዕና:ፆታዊ ማዕርነትን ሕርሻን ኣፍሪቃ ንምምሕያሽ ሸውዓተ ቢሊዮን ዶላር ከምዝህቡ ኣፍሊጦም።

እዚ ሓድሽ መፅብዓ ኣብቶም ዝቕፅሉ ኣርባዕተ ዓመታት ዝፍፀም ኮይኑ እዚ ኣብ መላእ እታ ክፍለ ኣህጉር ስርዓት ጥዕና ንምምሕያሽ ብቢልን መሊንዳ ጌትስን ፋውንደሽን ይስራሕ ካብ ዘሎ ተወሳኺ እዩ።

እቲ ፋውንደሽን ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ መናእሰይ ኣፍሪቃ ምዕባለ ኣብ ምስላጥን ኣብ ዓለም ዘለው ግዜ ዘይህቡ ፀገማት ንምፍታሕ ዝሕግዝ ተኽእሎን ዕድልን ኣለዎም ኢሉ።እዚ ናይ ገንዘብ እወጃ ዝስማዕ ዘሎ ምብራቕ ኣፍሪቃን ቀርኒ ኣፍሪቃን ኣብ ዓሰርተታት ዓመታት ዝኸፍአ ድርቂ ገጢሙዎ ኣብ ዘለሉ እዋን እዩ።

XS
SM
MD
LG