ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቡርኪኖፋሶ ንቁጽሪ ተመዛበልቲ ውሽጢ ሃገር ተጉድል


ቡርኪኖፋሶ ንቁጽሪ ተመዛበልቲ ውሽጢ ሃገር ተጉድል
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:44 0:00

ቡርኪኖፋሶ ንቁጽሪ ተመዛበልቲ ውሽጢ ሃገር ተጉድል

ኣብ ቡርኪና ፋሶ ብሰንኪ ምስ ዳዕሽን ኣል-ቓዒዳን ምትእስሳር ዘለዎም ዕጡቓት ጉጅለታት ንሸውዓተ ዓመታት ይካይድ ዒዘሎ ግጭት ኣስታት ክልተ ሚሊዮን ሰባት ካብ መንበሪኦም ምዝንባሎም ጉጅለታት ረድኤት ገሊፆም።እዚ ቁፅሪ ልዕሊ ኣብ ቀረባ መንግስቲ ዝገመቶ 1.5 ሚሊዮን ሰባት እዩ።ጉጅለታት ተሓለቕቲ መሰላት ቁፅሪ ተመዛበልቲ ኣውሒድካ ምግላፅ ረድኤት ንዘድልዮም ሰባት ዝሃሲ እዩ ይብሉ።

ኣብ ቡርኪናፋሶ ብሰንቂ ኣብታ ሃገር ንሸውዓተ ዓመታት ይካይድ ብዘሎ ግጭት ሰባት ሃዲሞም ዝዕቆብሎም ዘይስሩዓት መዓስከራት ልሙድ እናኾኑ ይመጹ ኣለው።

ንትርፊ ዘይሰርሓ ጉጅለታት ገበርቲ ሰናይ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብታ ሃገር ኣስታት ክልተ ሚሊዮን ሰባት ምዝንባሎም ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ገሊፆም እዮም።ብዙሕ ከይፀንሐ ብዕልዋ መንግስቲ ስልጣን ዝሓዘ ወታሃደራዊ መንግስቲ እቲ ኣሃዝ ናብ 1.5 ሚሊዮን ኣውሪዱዎ።

መንግስቲ ንብዙሓት ኣሽማት ካብ መዝገብ ተመዛበልቲ ከምዝሰረዞም ገሊፁ ኣሎ።ነዚ ድማ መንግስቲ ክልተ ግዜ ዝተመዝገቡ ስለዘለው:ምስቲ ናይቲ ከባቢ ማሕበረሰብ ዝተውሃዱ ድማ ከም ተመዛበልቲ ክርኣዩ የብሎምን ይብል።

ባደጆ ሲሰ ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመታት ካብ ሰሜን እታ ሃገር ከምዝተሰደደ ይገልፅ።ሕጂ እውን እንተኾነ ግን ንገዛእ ርእሱ ተመዛባላይ ገይሩ ከምዝወስድ ይዛረብ።

"ኣብዚ ክንፀንሕ ኣለና።እታ ሃገር ናብ ሰላም እንተድኣ ተመሊሳ ናብ ገዛና ክንምለስ እዩ ድልየትና።ንነብረሉ ዝነበርና ዓዲ ግን የለን፤ኣብኡ ሰባት የለውን።"

ንሱ ዝነብረሉ ናይ ገጠር ዓዲ ሓዊሱ ዝበዝሕ ሰሜናዊ ክፋላት እታ ሃገር ምስ ዳዕሽን ኣል-ቓዒዳን ምትእስሳር ብዘለዎም ኣሸበቲ ጉጅለታት ዓኒዮም እዮም።

ኣሚናታ ኦውዲያጎ ኣብ ኦጋዱጉ ትነብር።ፖሊሲ መንግስቲ ኣብ ዋና ከተማ ዝነብሩ ከም ተመዛበልቲ ኣፍልጦ ስለዘይህቦም ረድኤት ኣይረኽቡን።ረድኤት ክረኽቡ እንተኾይኖም ካብተን ዓበይቲ ከተማታት ሪሒቖም ናብ ዝርከቡ ወግዓዊ መዕቖቢ ተመዛበልቲ ክኣትው ኣለዎም።

ኣሚናታ ቅድሚ ሰለስተ ወርሒ ካብ መንበሪኣ ከምዝተመዛበለት ትገልፅ።ብሰንኪ ስእነት ፀጥታ ኮለኛታት ግዳያት መጥቓዕቲ ዝኾንሉ ብገሊኦም ናይ ሞት ኣውራጎደና እናተባህለ ዝፅዋ ናብ ኦጋዱጉ ብዝወስድ ኣውራጎደና ከምዝተጉዓዘት ትገልፅ።ብዘይሓገዝ ኣብ ኦጋዱጉ እትነብር’ላ።

"ንጉዓዘሉ ዝነበርና ኮለኛ ተገሚዑ ድሕሪት ዝነበሩ ኣስታት ኣርብዓ ሰባት መጥቓዕቲ ተፈፂሙዎም።ሰበይቲ ወደይ ቆሲላ።ብነፋሪት ኣልዒሎም ናብ ኦጋዱጉ ወሲዶምዋ።"

ንድምጺ ኣመሪካ ዝተዛረቡ ገበርቲ ሰናይ ጉጅለታት መንግስቲ ቅድም ክብል ብዘቐመጦ ብዝሒ ተመዛበልቲ ክንሰርሕ ኢና ንግደድ ይብሉ።ለገስቲ ድማ መንግስቲ ኣብ ዝህቦ ቁፅሪ እዮም ዝድረኹ።

ኣሌግዛንድራ ላማርች ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ዝመደብሩ ዓለምለኸ ስደተኛታት ዝተብሃለ ትካል ትሰርሕ።መንግስቲ ንብዙሓት ተመዛበልቲ ንምዝስራዝ ዝወሰዶ ስግምቲ ትሓትት።

"እቲ ቅድም ኢሉ ዝነበረ መንግስቲ ንስፍሓት ናይቲ ቅልውላው ኣፍልጦ ይህብ ድዩ ወይስ ይኽሕድ እዩ ዘሎ ዝብል ኣገዳሲ ሻቐሎት ክተልዕል ዝገብር እዩ።እዚ ድማ ኣብ ህይወት ስቪላት ጭቡጥ ፅልዋ ክህልዎ ይኽእል።"

እዞም ሓደስቲ ወታሃደራዊ ገዛእቲ ምናልባሽ ኣብ ዝቕፅል ሰሙን መንግስቲ ክምስርቱ ከለው ኣብ 1.5 ሚሊዮን ዝፀንዑ እንተኾይኖም ዝርኣይ እዩ።

ኣብ ኖርወጂያን ረፊጂ ካውንስል እትሰርሕ ማሪን ኦሊቨሲ ቁፅሪ ስደተኛታት ብዘየገድስ ኣብ ቡርኪናፋሶ ዘሎ ኩነታት እናሓመቐ ይኸይድ ኣሎ ትብል።

"ኣብ ቡርኪናፋሶ ድልየት እናወሰኸ እዩ ዝኸይድ ዘሎ።ንሰብኣዊ ረድኤት ግብረ መልሲ ንምሃብ ኣብ ነሓሰ ንዝተታሕዘ መደብ ብዝምልከት ዳግማይ ግምግማ ተኻይዱ ነይሩ።ምስ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ክነፃፀር ከሎ ኣብታ ሃገር ሰብኣዊ ረድኤት ዘድልዮም ተወሳኺ 1.4 ሚሊዮን ሰባት ኣለው።"

ካብ ናይ ገጠር ዓዲ ዝተመዛበለ ሲሰ ግን መፃኢኡ እንታይ ከምዝኸውን ርግፀኛ ኣይኮነን።ንመዋእሉ ኣብ መዕቖቢ ተመዛበልቲ ክነብር ድልየት የብሉን፤ግን ክኣ ዝምለሰሉ ዓዲ የብሉን።

XS
SM
MD
LG