በዓል ኣሸንዳ ኣብ ክልል ትግራይ ሎሚ ክኽበር ጀሚሩ::
ሎሚ ኣብ ከተማታት መቐለን ዓብዪ ዓዲን ብፍሉይ እቲ በዓል ምኽባር ዝጀመረ ኮይኑ ኣብ ኩሎም ከባቢታት እቲ ክልል እውን ይኽበር ኣሎ::
ኣብ ከተማ መቐለ እቲ በዓል ኣብ ዝተጀመረሉ እዋን ፕረዚዳንት ፌድራላዊ ዴሞክራሲያዊ ሪፑብሊክ ኢትዮጵያ ሳህለወርቅ ዘውዴ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ትግራይ ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ተረኺቦም ኔሮም::
በዓል ኣሸንዳ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ኣብ ትግራይ ኣብ ዝበዝሕ ከባቢታት ካብ 16 ክሳብ 18 ነሓሰ ዝኽበር ኮይኑ ኣብ ኣክሱም ድማ ዓይኒ ዋሪ ተባሂሉ 24 ነሓሰ እዩ ዝኽበር:: እቲ በዓል ሎሚ ኣብ ከተማ መቐለ ባሎኒ ተባሂሉ ኣብ ዝፍለጥ ስታድየም ብባህላዊ መጋይፅታትን ኣልባሳትን ዝማዕረጋ ደቂ ኣሸንዳ ምኽባር ተጀሚሩ ኣሎ::
ኣብቲ መኽፈቲ በዓል ዝተረኽባ ፕረዚደንት ሳህለወርቅ ዘውዴ ኣብቲ ዘስምዕኦ ዘረባ: በዓል ኣሽንዳ ባህላዊ ትሕዝትኡ ብምሕላው ብድምቀት እናተብዓለ ኣብዚ ሐዚ እዋን ክበፅሕ ኣብ ምግባር ኣዋልድ ትግራይ ንዝገበርኦ ኣበርክቶ ምስጋና ይግበአን ኢለን::
ኢትዮጵያ ከም ኣሸንዳ ዝበሉ ብዙሓት ሃይማኖታዊን ታሪኻዊን ቅርስታት ዝወነነት ኢያ ዝበላ ፕረዚደንት ሳህለወርቅ፥ እቶም በዓላት ንሕብረተሰብ ዘለዎም ረብሓ ልዑል ከምዝኾነ አገንዚበን: ናብ ረብሓ ክንቕይሮም ይግባእ ኢለን:: ደቂ ኣስንትዮ ኣብ በዓል ኣሸንዳ ሰለስተ መዓልታት ብነፃነትን ይፀዋታን ልዑል ክብሪ ድማ ይወሃበን እዩ ዝበላ እተን ፕረዚደንት: እቲ ምኽባር ዓመት ሙሉእ ክንገብሮ ይግበኣና ኢለን::
በዓል ኣሸንዳ ልክዕ ከም በዓል መስቀል፣ ፊቼ ጨምበላላን ስርዓት ገዳን ኣብ ዩኔስኮ ክምዝገብ ልዑል ተስፋ ከምዘለወን ገሊፀን::
ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ብወገኖም: በዓል ኣሸንዳ ንምኽባር ፕረዚደንት ሳህለወርቅ ናብ ከተማ መቐለ ምምፀአን ልዑል ምስጋና ነቕርብ ኢሎም:: በዓል ኣሸንዳ ኣብ ዩኔስኮ ንምምዝጋብ ይግበር ዘሎ ፃዕሪ ንምዕዋት መንግስቲ ክልል ትግራይ ከምዝሰርሕ'ውን ሓቢሮም::
ንሶም ወሲኾም በዓል ኣሸንዳ እንትኽበር ድማ ጥቓዓት ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ምክልኻል ጠመተ ሂብና ክንሰርሕ ይግባእ ብምባል’ ውን ተዛሪቦም:: ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ኣብዚ ሐዚ እዋን ውሑስ ሰላም ንምስፋን ይግበር ኣብ ዘሎ ፃዕሪ ልዑል ኣበርክቶ የካይዳ ከምዘለዋ: ደቂ ኣሸንዳ ምእንተ ፍትሒ፣ ሰላምን ምርግጋፅ ልምዓትን ሓድነትክን ሓሊኺን ክትከዳ ኣለክን እውን ኢሎም።
እቲ በዓል ኣብ ክልል ትግራይ ዝተፈላለዩ ከተማታት ገጠር ወረዳታትን ይኽበር ዘሎ ኮይኑ: ኣብ ከተማ ዓቢዪ ዓዲ ይኽበር ኣብ ዘሎ እቲ በዓል ካብ ክልል ኣምሓራ ሰቆጣ ዝመፁ ጉጅለ ልኡኽ ይሳተፉ ኣለዉ::
ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ከተማ መቐለ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ካብ ዝሓለፈ ዓርቢ ጀሚሩ በረራ ብምውሳኽ ንበዓል ኣሸንዳ 90 በረራታት ከምዘካየደ ምንጭታት ንቪኦኤ ገሊፆም::
እቲ በዓል በሰላማዊ መንገዲ ክዛዘም ጥቡቕ ሓለዋ ፀጥታ ይካየድ ድማ ኣሎ:: ኣቐዲሙ በዓል ኣሸንዳ/ሻደይ/አሸንድዬ/ሶለል ጠሚቱ ናይ እንኳዕ ኣብፀሐኩም መልእኽቲ ቀ/ሚኒስትር ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ምምሕልላፎም’ውን ይዝከር:: ንሶም ኣብ መልእኽቶምኣብ ሃገርና ደቂ ኣንስትዮ ናብ ኣደባባይ ክወፃ ኣበርክቶ ካብ ዝነበሮም በዓላት ሓደ እዚ በዓል እዩ ኢሎም:: ኣደባባይ ብደቂ ተባዕትዮ ጥራሕ ተታሒዞም ኣብ ዝነበርሉ እዋን ኣሸንዳ/ሻደይ/ኣሸንድዬ/ሶለል ዝኣመሰሉ በዓላት ምንባሮም ኣብ በረኻ ከምዝተረኸበ ዝሑል ፍልፍል ማይ ዝቑፀር እዩ ኢሎም ::
"ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ግጥምታተ: ዜመአንን ሳዕሲዕሲተን: ሓሰበን: ባህለንን ድልየትን ክገልፃ ብምግባር ዘይትካእ ግደ ኣበርኪተን ኢሎም:: ኣብ እዋን ሓጎስ ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ ኣፀጋሚ እዋናት እውን እናተኸበረ ዝመፀ በዓል እዩ’: ኣሓት ደቂ ኣንስትዮ ብዙሕ ሰብኣዊ ጥሕሰት ኣብዘለዎ ተኺቢበን: ዕንቅፋት እናጋጠመን ፅዕንቶ እናበፅሐን ዋላ ተስፋ ምቑራፅ ዝበሃል ኣይትንኽፈንን ኢሎም:: ብመሰረት እዚ "ዘጋጠሙና ፀገማት ብምፍታሕ ልክዕ ከምእተን ጎራዙ ምዕባለና ነረጋግፅ” ክብሉ መልእኽቶም ኣመሓላሊፎም።
እቲ በዓል ክሳብ ድሕሪ ፅባሕ ክቕፅል እዩ::