ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

በዓል ቅዱስ መስቀል ኣብ ኢትዮጵያን ኤርትራን ተኸቢሩ


በዓል ቅዱስ መስቀል ኣብ አዲስ አበባን ኣስመራን
በዓል ቅዱስ መስቀል ኣብ አዲስ አበባን ኣስመራን

በዓል ቅዱስ መስቀል ኣብ በበይኑ ከባቢታት ኢትዮጵያ ብኽብ ዝበለ ስነ-ስርዓት ከም ዝተኽብረ ጻብጻባት ልኡኻት ድምጺ ኣመሪካ ካብ ኣዲስ-ኣበባ፣ ካብ ወልቂተ፣ ካብ ባህር-ዳር፣ ካብ ደሴ፣ ካብ ኣምቦን ካብ ድሬዳዋን የመልክት።

እዚ ይዅን እምበር፡ ኣብ መቐለን ዓዲ-ግራትን ብድምቀት ዝኽበር ዝነበረ በዓል ሎሚ ዓመት ግን ኣብ ኣደባባይ ዘይኰነስ ኣብ ውሽጢ ቀጽሪ ቤተ-ክርስትያናት ጥራይ ተሓጺሩ፡ ብንኡስ ዓቕሚ፡ ከም ዝተዘከረ ልኡኽን ድምጺ ኣመሪካ ካብ መቐለ ጸብጺቡ።

በዓል ቅዱስ መስቀል ብተመሳሳሊ ኣብ ኣስመራ፡ ኣብ ርእሲ ኣድባራት ደብረጽዮን ቅድስቲ ማርያም ዝተኻየደ ናይ ዳሜራ ስነ-ስርዓት ብውሱን ተሳትፎ ከም ዝተኻየደን ወኪልና ካብ ኣስመራ ልኢኹ ኣሎ።

XS
SM
MD
LG