ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

በዓል-መዚ መራኸቢ ብዙሃን ኢትዮጵያ ንጋዜጠኛ ዘ-ኢኮኒሚስት ወረቐት ስራሑ መንጢሉ


ጋዜጠኛ መጽሔት ዘ-ኢኮኖሚስት ቶም ጋርድነር
ጋዜጠኛ መጽሔት ዘ-ኢኮኖሚስት ቶም ጋርድነር

ንጉዳይ መራኸቢታት ኢትዮጵያ ዝከታተል በዓል መዚ፡ ንወረቐት ስራሕ ጋዜጠኛ መጽሔት ዘ-ኢኮኖሚስት ቶም ጋርድነር ሎሚ ዓርቢ ከም ዝመንዘዐ ብደብዳበ ሓቢሩ። እቲ ቤት ጽሕፈት ናብቲ ጋዜጠኛ ኣብ ዝለኣኾ ደብዳበን ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ብሰፊሕ ዝተዘርግሐን፡ ጋዜጠኛ ጋርድነር፡ ተደጋጋሚ ናይ ጽሑፍን ቃልን መጠንቀቕታ ተዋሂቡዎ ከብቅዕ ንጋዜጠኛዊ ሓላፍነቱ ዝዝንግዕ ስራሓት ከም ዝሰርሐ ኣመልኪቱ ኣሎ። እቲ ጽሑፍ ወሲኹ፡ ንጋዜጠኛ ጋርድነር ደኣ’ምበር ነታ መጽሔት ፍቓድ ከም ዘይከልአን ካልእ ንዝመጽእ ጋዜጠኛ ክቕበሎ ድሉው ምዃኑን ኣመልኪቱ ኣሎ።

ኣብቲ ናብ ቶም ጋርድነር ዝተጻሕፈ ደብዳበ ግን ስም ጠቒሱ በቲ ጋዜጠኛ ተፈጺሙ ዝተባህለ ጥሕሰት ኣየነጸረን።

ድምጺ ኣመሪካ ርእይቶ ጋዜጠኛ ቶም ጋርድነር ንምስማዕ ዝገበሮ ፈተነ፡ ብትካሉ እምበር ብውልቁ ርእይቶ ክህብ ፍቓደኛ ዘይምዃኑ ገሊጹ ኣሎ።

XS
SM
MD
LG