ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

በዓል-መዚ መራኸቢታት ኢትዮጵያ ንስያመ ኲናት ትግራይ ዝምልከት መምርሒ ሂቡ


ንጉዳይ ፕረስን መራኸቢታትን ኢትዮጵያ ዝከታተል መንግስታዊ ኣካል፡ በዓል-መዚ መራኸቢታት ኢትዮጵያ፡ ኣብታ ሃገር ንዝነጥፋ መራኸቢታት ኣብ ክልል ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ብዛዕባ ዝጥቀማሉ ስያመ መጠንቀቕታ ሂቡ። እቲ በዓል-መዚ ነዚ መጠንቀቕታ ዝለኣኸ፡ ሓደ መዓልቲ ድሕሪ’ታ ሰፊሕ ኣንባቢ ዘለዋ፡ ብእንግሊዘኛ እትጽሕፍ ናይ መርበብ መጽሔት ኣዲስ-ስታንዳርድ መምርሒ ፍቓድ ምኽላኡ’ዩ።

እቲ በዓል-መዚ፡ ነቲ ኣብ ክልል ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ኲናት፡ ካልእ መልክዕ ይህብ ኣሎ ኢሉ ዝኣመነሉ ኣጸዋውዓ መራኸቢ-ብዙሃን ስጕምቲ ክወስድ ምዃኑ ኣጠንቂቑ ኣሎ። ኣብቲ ናብ ረድዮ ድምጺ ኣመሪካ ዝተላእከ ወግዓዊ ደብዳበ፡ ንህ.ወ.ሓ.ት. ከም ሃገራዊ ሓይሊ ኣምሲሉ፡ “ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ” ኢለን ዝጽውዓ መራኸቢ-ብዙሃን ክጻወሮ ከም ዘይኰነ ኣመልኪቱ ኣሎ።

እቲ መጥንቀቕታ፡ ኣቐዲሙ፡ ናብ ክልተ መራኸቢ-ብዙሃን’ውን ተላኢኹ ነይሩ።

እቲ ናብ ረድዮ ድምጺ ኣመሪካ ዝተላእከ ወግዓዊ መጠንቀቕታ፡ ብምኽትል ሓላፊ'ቲ በዓል-መዚ ዮናታን ተስፋዬ ረጋሳ ዝተፈረመ’ዩ። እቲ ዝተላእከ መጠንቀቕታ፡ ሓደ መዓልቲ ድሕሪ’ቲ ነታ ብእንግሊዘኛ እተሕትም፡ ኣዲስ-ስታንዳርድ፡ ንኣጀንዳ “ሽበራዊ ሓይሊ” ኢሉ ዝጽውዖ ህ.ወ.ሓ.ት. ተገልግል ነይራ ብዝብል ምኽንያት ምዕጻዉ’ዩ።

እቲ መንግስታዊ ኣካል ንምዕጻው ኣዲስ-ስንታዳር ኣመልኪቱ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ነቲ “ሽበራዊ ጕጅለ፡ኢሉ ዝፀውዖህ.ወ.ሓ.ት. "ሓይልታት ትግራይ" ብዝብል ስያመ፡ ሕጋውነት ክትህቦ ፀኒሓ ክብል ከሲሱ።

እቲ ዝተወስደ ናይ ምዕጻው ስጕምቲ፡ ካብ ተሓለቕቲ ናጽነት ፕረስ ሰፊሕ ነቕፌታ ኣስዒቡ’ዩ።

ኣብቲ ካብቲ በዓል-መዚ፡ ናብ ረድዮ ድምጺ ኣሜሪካ፡ ዝተላእከ ወግዓዊ መጠንቀቕታ፡ “ትግራይ ሓንቲ ካብ ክልላት ኢትዮጵያ ብምዃና፡ ናይ ገዛእ-ርእሳ ናይ ምክልኻል ሓይሊ ሰራዊት ክህልዋ ኣይክእልን’ዩ። ስለዚ ድማ ‘ሓይልታት ትግራይ’ ዝብል ስያመ ምጥቃም፡ ነቲ ባይቶ ኢትዮጵያ ‘ግብረ-ሽበራዊ’ ኢሉ ዝገለጾ ህ.ወ.ሓ.ት. ኣፍልጦ ምሃብ ስለ ዝዀነ፡ ክብሪን ልዑላውነት ኢትዮጵያ ዝግህስ’ዩ፡” ኢሉ።

ኣስዒቡ እቲ መጠንቀቕታ፡ ነተን ኣብ ኢትዮጵያ ክነጥፋ ፍቓድ ዝተዋህበን ኣህጉራውያን መራኸቢታት’ውን ነቲ መምርሒ ከተግብርኦ ኣተሓሳሲቡ።

ቀ/ሚ ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ 2018 ናብ ስልጣን ኣብ ዝመጽእሉ እዋን፡ እታ ሃገር ካብቲ ዝጸንሓ ሕማቕ ኣተሓሕዛ ጋዜጠኛታት ክትገላገል ምዃና ተስፋ ሂቡ ነይሩ። ምስቲ ድሒሩ ዝመጸ ፖለቲካዊ ምዕባለታት ተኣሳሲሩ ግን፡ ኢትዮጵያ፡ ናብ ዝበኣሰ ኵነት ናጻ ፕረስ ትጕዓዝ ምህላዋ ዝተፈላለዩ ኣካላት ይሕብሩ።

ቅድሚ ክልተ ሰሙን፡ መንግስቲ ን20 ሰራሕተኛታትን ጋዜጠኛታትን እተን ተሪር ነቕፌታ ከም ዘቕርባ ዝንገረለን ኣውሎ መዲያን ኢትዮ-ፎርምን ዝተባህለ ናይ ዩትዩብ መራኸቢታት ምእሳሩ ይዝከር።

መንግስታዊ ኣካል ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ብሰንበት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ሰለስተ ካብቶም ዝተኣስሩ 20 ጋዜጠኛታትን ሰራሕተኛታትን ምፍሖም ሓቢሩ'ሎ።

XS
SM
MD
LG