ኣስመራ —
ናይ ሎሚ ዓመት በዓል ጥምቀት ብምኽንያት ቫይረስ ኮሮና ዝወጽኡ መከላኸሊ ቅጥዕታት ኣብ ግምት ብዘእተወ ኣገባብ ውሱናት ብጹኣን ጳጳሳትን ኣቦታትን ጥራይ ኣብ ዝተረኽብሉ ሎሚ 19 ጥሪ ኣብ ኣስመራ ፡ባሕሪ ጥምቀት ብክብ ዝበለ ማዕረግ ተኸቢሩ ውዒሉ።
ነቲ በዓል ዝገልጹ ዝተፈላለዩ ሃይማኖታዊ ስርዓታት ተኻይዶም።ኣብቲ ዕለት ኣስተምህሮ ዝሃቡ መምህር ስምኦን በየነ”እዛ ዕለት ሚስጥረ ስላሰ ዝተገለጸሉን ሓጥያት ደቂ ሰባት ዝተደምሰሰሉን ዕለት እያ” ክብሉ ተዛሪቦም።ናይ’ቲ በዓል ተሳተፍቲ ብወገኖም “ በዓል ጥምቀት ትሕትናን ፍቕርን ንምሃረላ በዓል’ዩ’ ክብሉ ንድምጺ ኣሜሪካ ርእይቶኦም ሂቦም።