ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

በረራ ሰብኣዊ ረዲኤት መቐለ ጀሚሩ


ከተማ መቐለ
ከተማ መቐለ

ንልዕሊ ሓደ ወርሒ ተቛሪፁ ዝነበረ ናብ ክልል ትግራይ ዝግበር በረራ ነፈርቲ ሰብኣዊ ሓገዝ ዳግማይ ተጀሚሩ።

ሎሚ ረቡዕ 24 ሕዳር:2021 29 ሰራሕተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ካልኦት ሰራሕተኛታት ትካላት ምግባረ ሰናይን ዝሓዘት ነፋሪት ንመቐለ ኣትያ።

እቲ በረራ ፅባሕ እውን ከምዝህልው ስሞም ክግለፅ ዘይደለዩ ሰራሕተኛታት ሰብኣዊ ሓገዝ ገሊፆም። በረራ ምጅማሩ ኣብ ክልል ትግራይ ዘሎ ልዑል ምትዕንቓፍ ስራሕቲ ሰብኣዊ ሓገዝ ንምፍታሕ ሓጋዚ እዩ ድማ ኢሎም።

ኣባል ኮሚቴ ፈፃሚ ስራሕ ህወሓትን ወሃብ ቃል እቲ ውድብን ኣይተ ጌታቸው ረዳ ኣብ ማዕከን ዜና እቲ ክልል ቀሪቦም ንእዋናዊ ኩነታት ኣድሂቡ ኣብ ዝሃቡዎ ርእይቶ ናብ ከተማ መቐለ ሰራሕተኛታት ሰብኣዊ ሓገዝ ክኣትዉ ፍቓድ ብምምሕዳሮም ከም ዝተዋሃበ ገሊፆም።

እቶም ናይ ሰራሕተኛታት ሰብኣዊ ሓገዝ ናብ ከተማ መቐለ መዕረፎ ነፈርቲ ኣሉላ ኣባነጋ እንትበፅሑ ከምዝርኣዮም ወኪል ድምጺ ኣመሪካ ካብ መቐለፀብፂቡ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ደብዳብ ነፈርቲ ስዒቡ በረራ ነፈርቲ ሰብኣዊ ሓገዝ ተቛሪፁ ምንባሩ ይዝከር።

XS
SM
MD
LG